Sunday , May 19 2024

ጀርመናዊ ሚኒስተር፡ ክታበት ኣስትራ ምውጋእ ኣብዩ

ወዲ 71 ዓመት፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን፡ ሆርስት ሲሆቨር፡ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበትክ ክውጋእ ከምዘይደሊ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ድሕሪ ወዲ 40 ዓመት ዝኾነ ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን፡ የንስ ስፓሃን፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም መዛንኡ ሚኒስተራት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ዘሎ ጥርጣረታት ንምብርዓን፡ ክኽተቡ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ ዝተኸስተ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሲሆቨር፡ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት ዝኾነ ቅሬታ ዘይብለይ እንተኾነ፡ ክውጋእ ግን ድሉው ኣይኮንኩን ክብል ነቲ ብሚኒስተር ጥዕና ዝቐረበ ጻውዒት መልሲ ሂብሉ ኣሎ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ፕረዚደንት ጀርመን፡ ፍራንክ ዎልተር ስቴንሜር፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ከም ዝተኸትበ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com