Saturday , May 18 2024

ጀርመን፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ይውስኽ

ኣብ ወርሒ የካቲት 2021፡ ኣብ ጀርመን፡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ክሳብ 2.7 ሚልዮን ምብጽሑ እዚ ቁጽሪ ድማ ካብቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ብ 9 ሽሕ ከምዝወሰኸ ጀርመናዊ በዓል መዚ ስታትስቲክስ ሓቢሩ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ ክሳብ 6% ምብጽሑ እቲ በዓል መዚ ብምውሳኽ ገሊጹ።

ካብ ወርሒ ሰነ 2020፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ንፈለማ ግዜ ክልዕል ከምተራእየ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ የካቲት፡ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ብ 13 ሽሕ ክጎድል ከምዝኽእል ናይ ቁጠባ ክኢላታት ትጽቢት ገይሮም ከምዝነበሩ ይዝከር።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com