Friday , May 17 2024

ጀርመን፡ ንሕጊ ድንጋገ እዋን ህጹጽ ሓደጋ፡ ከተናውሖ ከም እትኽእል ተሓቢሩ

መንግስቲ ጀርመን፡ ነቲ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ መላእ ሃገር ተኣዊጁ ዘሎ ሕጊ ድንጋገ እዋን ህጹጽ ሓደጋ፡ ካብ ፓርላማ’ታ ሃገር ውሳኔ ብምርካብ፡ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ከናውሖ ከምዝኽእል በዓል መዚ ጥዕና ጀርመን ሓቢሩ ክብላ ጋዜጣ ሃንደልስብላትን ማዕከን ዜና ዘ ፒዮኔርን ገሊጸን።

ፓርላማ ጀርመን፡ ንፈለማ ግዜ ሕጊ ድንጋገ እዋን ህጹጽ ሓደጋ፡ ብሃገር ደረጃ፡ ኣብ 25/03/2020 ከምዘመሓላለፈን ከምእንደገና ድማ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ከምዘናወሖ ይዝከር።

ሕጊ ድንጋገ እዋን ህጹጽ ሓደጋ፡ ንመንግስቲ፡ ኣንጻር ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ናይ ቤት ምኽሪ ምምሕዳራት ጀርመን (ቦንድስራት) ውሳኔ ከይተጸበየ፡ ዘድሊ ዘበለ ምድላዋትን ስጉምታትን ውሳኔታትን ንኽወስድ ስልጣን ዝህብ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com