Saturday , May 18 2024
German Chancellor Angela Merkel wears a face mask as she arrives for the meeting of the CDU/CSU parliamentary group at the Reichstag building, home of the German federal parliament, in Berlin, Germany, Tuesday, Oct. 27. 2020. (Michael Kappeler/dpa via AP) DSOB102

ጀርመን፡ ከፊላዊ ምዕጻው ሃገራ ክተትርርን ከተናውሕን ትውስን

መራሒት ጀርመን፡ ቻንስለር ኣንገላ መርከል፡ ሃገራ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ነቲ ኣተኣታትያቶ ዝጸንሐት ከፊላዊ ምዕጻው ሃገር፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ከተትርሮን ከተናውሖን ምዃና ብሰሉስ ኣፍሊጣ።

ዜጋታት ድማ ክሳብ 31 ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ እቲ ምስ ሰባት ዝገብርዎ ርክባት ክድርቱ ኣተሓሳሲባ።

ብተወሳኺ፡ ዝበዝሑ ምግባዊ ኣገልግሎት ዘይህቡ ትካላት፡ ባራት፡ ኣብያተ ምግቢ፡ ባህላዊ ማእከላት፡ መዘናግዒ ቦታታትን ኣብያተ ትምህርትን ክዕጸዋ እየን። ነዚ ሕማም ንምምካት፡ ማሕበራዊ ምትእኽኻባትን ምቅርራባት ዝዕድሙ ኣጋጣሚታት ክነወግድ ክንግደድ ኢና ክትብል ምስ መራሕቲ 16 ኣውራጃታት ድሕሪ ምርኻባ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

ብመሰረት ፈደረሽን ናይ ብንጽል ዝሸጡ ሰራሕተኛታት፡ ብጠቕላላ ርብዒ ሚልዮን ሰራሕተኛታት ዘመሓድራ 50 ሽሕ ዝኾና ትካላት በዚ ውሳኔ ክጽለዋ ከምዝኽእላ ድማ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com