Sunday , May 19 2024
German Health Minister Jens Spahn (Annegret Hilse/Pool Photo via AP, file) LLT102

ጀርመን፣ ንዘይተኸትቡ ዝወሃብ ካሕሳ የለን ትብል

ጸረ ኮቪድ-19 ዘይተኸትቡ ሰባት: እንድሕሪ ኣድላዪ ኮይኑ ናብ መወሸቢ ክኣትዉ ተጌሮም ደሞዞም ኣይክከሓሱን እዮም ክትብል ጀርመን ኣፍሊጣ’ላ።

እዚ ኣብ ዘይተኸትቡ ሰባት ጸቕጢ ንምፍጣር ዝግበር ዘሎ ዝመስሎም ኣለዉ፥ ነዚ ጒዳይ ብኻልእ ሸነኽ ክንርእዮ ይግባኣና፥ እዚ ናይ ፍትሒ ሕቶ እዩ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን: ሀንስ ሽፓህን: ገሊጹ።

መንግስቲ: ነቶም ምስ ሕሙማት ብውሕዱ ንሓሙሽተ መዓልታት ርክብ ዝነበሮም ከምኡውን ካብ ልዑል ሓደጋ ለበዳ ዘለወን ሃገራት ዝተመልሱ እሞ ክውሸቡ ንዝተኣዘዙ ሰራሕተኛታት: ናይ ካሕሳ ክፍሊት ምግባሩ ዝፍለጥ እዩ።

ካብ ባሕቲ ሕዳር ግና: እቲ ኲነታት እዚ እዩ ክብል: ሽፓህን ገሊጹ’ሎ።

ምኽታብ ወይ ዘይምኽታብ ምርጫ እዩ። ክኽተቡ ዘይመርጹ ሰባት ዝመጾም ቊጠባዊ ሳዕቤናት ክስከሙ ኣለዎም ክብል AFP ጸብጺቡ። ዝተኸትቡ ግና ክውሸቡ ኣየድልዮምን እዩ።

ኣብ ጀርመን: ሓድሽ ጅር እቲ ቫይረስ እንተዘይተኸሲቱ ኣብዚ ጽድያ ካብ ለበዳ ነጻ ወጺኣ ናብ ንቡር ክትምለስ ከድልያ እዩ ክብል: ሽፓህን: ንጋዜጣ ኦግስበርገር ኣልጀሜን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ጀርመን ከም ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘለዋ መጠን ክታበት ብተዛማዲ ውሕድ ዝበለ እኳ እንተኾነ: ሽፓህን ብቐንዱ ኣብ ሀርድ ኢምዩኒቲ ምትእምማን ኣሕዲሩ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና: ካብ 100 ሽሕ ጀርመናውያን 112 በዚ ሕማም ምሟቶም ዝፍለጥ እዩ፡ ኣብ ሽወደን ካብ 100 ሽሕ ዜጋታት 114 በዚ ሕማም ምሟቶም ስታቲስቲክስ የመልክት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com