Saturday , May 18 2024
Britain's Boris Johnson and Ukrainian President Volodymyr Zelenskyy hold a joint press conference. (Peter Nicholls/Pool Photo via AP) AMB129

ጆንሶን . . . ሩስያ፡ ንዩክሬይን ተፈራርሓ ኣላ ይብል

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ግንባር ዩክሬይን “ሽጉጥ ዓሊሙ” ኣሎ ክብል ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ክገልጾ ከምዝፈተነን ብተወሳኺ’ውን ሩስያ “ናይ ኤውሮጳ ናይ ጸጥታ ካርታ ከም ብሓድሽ ንምስኣል” ትፍትን ኣላ ክብል ከሲሱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ምስ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪይ ንምዝታይ ናብ ዩክሬይን ኣቅኒዑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ግልጺን ዘይተርፍን ሓደጋ ኣንጸላልዩ ኣሎ። “እዚ ኣዝዩ ተኣፋፊ እዋን ስለዝኾነ ብሓባር ኣብ ጎኒ ዩክሬይን ደው ክንብል ኣገዳሲ እዩ” ክብል ኣብቲ ምስ ናይ ዩክሬይን ፕረዚደንት ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብሪሁ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪይ ብወገኑ፡ ሩስያ ንወታሃደራታ ካብ ዶባት ናይ ሃገሩ ተንሳሕበሉ ግዜ ብሃንቀውታ ይጽበይ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ቃላት ጥራሕ ኣይንደልይን ኢና። “ብዙሓት ሩስያውያን ኣብዚ ናይ ዩክሬይን ዝግበር ኲናት ተዋጊኦም ህይወቶም ክስእኑ ድሌት ከም ዘይብሎም ይፈልጥ’የ” ክብል ተዛሪቡ።

እዚ ኣብ ዩክሬይን ዝተገብረ ኣኼባ ብናይ እንግሊዝ ማሕበራዊ ሚድያ ንቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሶን ከም “መተንፈሲ ቦታ” እዮም ዝርእይዎ ዘለው። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ነቲ ኣብቲ ጎዳና ዶውኒንግ (Downing Street) ተባሂሉ ዝጽዋዕ እቲ ናይ ሃገረ እንግሊዝ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካልኦት ሰብ-መዚ እንግሊዝን ዝቕመጡሉ ቦታ ኣብቲ እዋን ናይቲ ለብዒ ዝተራእየ “ብመስተ ዝተመልአ ግብዣታት” ብዝምልከት ተረርቲ ወቐሳታት ስዒቡ ዝተኻየደ መገሻ ብምዃኑ እዩ ዝንገር ዘሎ።

ቦሪስ ጆንሶን ቅድሚ ናብ ዩክሬይን ምጋሹ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ መፍትሒን ምምሕያሽን ከም ዝገብረሉ ቃል ከም ዝኣይተወ ተፈሊጡ’ሎ።

 “ይርዳኣኒ’ዩ – ከታኻኽሎ’ውን እየ” ክብል ተዛሪቡ።

ብሰኑይ ምስ ፑቲን ዘተ ክግበር ውጥን ተታሒዙ እኳ እንተነበረ፡ ንኻሊእ ግዜ ተመሓላሊፉ ኣሎ። ጆንሶን እቲ ዝርርብ ጽባሕ ክካየድ እዩ ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።

ሩስያ መንገዲ ዲፕሎማሲ መሪጻ ካብዚ ሕጂ ዘላቶ ሓደገኛ ኩነታት ንድሕሪት ክትምለስ ኣዝዩ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ኣነ ከምዝሓስቦ እንተኾይኑ፡ ሕጂ’ውን ተኾነ ተስፋታት ኣሎ ክብል ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com