Saturday , May 18 2024
The requirement for face masks will be removed next week, British Prime Minister Boris Johnson has said.(Kirsty O'Connor, Pool via AP) LFP158

ጆንሶን . . . ኣብ ልዕሊ ሓለዋ ጥዕናታት ጸቕጢ ክህሉ ትጽቢት ይግበር

ኣብ ዝመጹ ሳምትንታት፡ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ዓዲ እንግሊዝ፡ ዝፍጠር ጸቕጢ ኣዝዩ ጽንኩር ክኸውን ከምዝኽእል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ኣጠንቂቑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ምስፍሕፋሕ ጅር ቫይረስ ኦሚክሮን፡ ‘ከልካሊ ዘይብሉ’ ክባሃል ብዝኽእል ብርኪ እዩ ዝጋዋሕ ዘሎ።
ጆንሶን፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ሕክምና፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ካብ ዝሰርሑሉ ቦታ ይተርፉ ከምዘለው ከምዘስተውዓለ ገሊጹ።
“በዚ ጸገም ብፍሉይ ዝተጸልው ከባቢታት ንምሕጋዝ ሰራሕተኛታት ካብን ናብን ብምንቅስቓስ ክንገብሮ ንኽእል ነገር እንተሎ ክንርኢ ኢና” ክብል ሓቢሩ።
ካብ ቀዳም ጀሚሩ፡ ኣስታት 50,000 ሰራሕተኛታት NHS ብሕማም ወይ ድማ ንባዕላቶም ብምውሻቦም ምኽንያት፡ ካብ ስራሕ ተሪፎም ኣብ ገዝኦም ከምዝጸንሑ ‘ዘ ሳንደይ ታይምስ’ ዝተበሃለ ጋዜጣ ጸብጺቡ።
ጆንሶን፡ ብሰኑይ ነቲ ክትባት ዝካየደሉ ማእከል ክበጽሕ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ፡ ኩሉ ሰብ እቲ ቀጻሊ እብረ ናይ ክትባት ንኽወስድ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣስታት 34 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ሃገረ እንግሊዝ፡ እቲ ቀጻሊ ክትባት ከምዝወሰደ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com