Saturday , May 18 2024
Foto Pontus Lundahl / TT kod 10050

ጆ ባይደን፡ “ሽወደንን ፊንላንድን ኲሉ ረቛሒታት NATO የማልኣ እየን”

ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ከምኡ’ውን ፕረሲደንት ፊንላንድ ሳውሊ ኒኒስትሮ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሽወደንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ ክኾና ምሉእ ደገፍ ከም ዝህበን ኣፍሊጡ። ክልቲአን ሃገራት፡ ድሕነታዊ ጒዳያተን ንምውሓስ ዝደልያኦ ክውስና፡ ሉኣላዊ መሰለን ይጥቀማ ምህላወን እውን ኣመልኪቱ። ቱርኪ ከም ነባር ኣባል ኔቶ መጠን፡ ዘለዋ ናይ ድምጺ ስልጣን ተጠቒማ፡ ን ኣባልነት ሽወደንን ፊንላንድን ክትቃወም ምዃና ኣብ እተጠንቅቐሉ ዘላ እዋን፡ ፕረሲደንት ባይደን ነዚ መግለጺ ምሃቡ፡ ኣገዳሲ ምዕባለ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com