Saturday , May 18 2024
U.S. President Joe Biden (Phil Noble/Pool Photo via AP) TKSJ702

ጆ ባይደን፡ ንመጠንቀቕታ ኦሚክሮን፡ ሸለል ኣይበልናን ይብል

ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ንመጠንቀቕታ ለበዳ ጅር ኦሚክሮን ሸለል ከም ዘይበለ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ገሊጹ።

ንሱ፡ ንቲቪ ኔትዎርክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክኢላታት ነዚ ጅር ኣቐዲሞም ተነብዮሞ ምንባሮም ንላዕለዋይ ኣማኽሪኡ ዶ/ር ኣንቶኒ ፋውቺ ብምጥቃስ እኳ እንተሓበረ፡ ብኽንድዚ ፍጥነት ክኽሰት እዩ ኢሉ ዝሓሰበ ኣይነበረን ክብል ገሊጹ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ዝካየድ ናይ 500 ሚልዮን ህዝቢ መርመራ ምእዛዛ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገልጸሉ እዋን እዩ እዚ ዝበሃል ዘሎ። ምስ ምእታው ልደት፡ መርመራ ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት እናበዝሑ ምምጽኦም እቲ ዜና ወሲኹ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ጒዳይ ፈሺልና ዝብል ርድኢት የብለይን ክብል፡ ባይደን፡ ብረቡዕ ምስ ABC News ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ሓቢሩ እዩ። ምናልባት እቲ መጠንቀቕታታት ቅድሚ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ወይ ውን ቅድሚ ወርሒ ክመጽእ ኔርዎ ኢልካ ክትማጎት ትኽእል ኢኻ ኢሉ።

ትማል ረቡዕ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ 29 ሽሕ ሓደስቲ ልኹፋት ኦሚክሮም ከም እተራእየ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ናይ 30% ዝላ ምርኣዩ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com