ሽወደን፡ ኣብ ጒዳይ ኣባልነት ኔቶ ምሉእ ብምሉእ ፖሊሲኣ ምቕያራ ከም ዘሕዘኖም፡ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዘለዉ ብርክት ዝበሉ ጒጅለታት ገሊጾም። ገለ ካብዚኣቶም ወረዳ ስካነ፡ ውድብ ደቀንስትዮን ክንፊ መንእሰያት እቲ ሰልፊን ይርከብዎም። መራሒ ጸጋማይ ሰልፊ ኑሺ ዳድጎስታር ን ውሳነ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ዘሕዝን ግና እተጸበናዮ ውሳነ እዩ” ኢሉ።