Friday , May 17 2024

ጉዳይ “ ናይ ኢድ ሰላምታ”፡ ደው ንኽብል ቤት ፍርዲ ጠሊቡ

ዝሓለፈ ዓመት፡ ብመንገዲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ትረለቦሪ (Trelleborg) ዝርከባ ሰልፍታት ስቬርያ ዲሞክራትና፡ ሞደራትናን ክሪስ ዲሞክራትናን ዝቐረበ እማመ ጉዳይ “ ናይ ኢድ ሰላምታ “ ክሳብ ካልእ ሓበሬታ ዝመሓላልፍ፡ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከተማ ማልመ፡ ደው ክብሎ ከምዝወሰነ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እማመ ጉዳይ “ ናይ ኢድ ሰላምታ “፡ ሓደ ሰብ፡ ስራሕ ኣብ ዝደልየሉ እዋን፡ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ወይ ድማ ባህላዊ ምኽንያታት ምስ ተጻራሪ ጾታ ኢድ ብምጭባጥ ሰላም ክብል እንተዘይክኢሉ፡ ናይ ስራሕ ዕድል ንኸይወሃቦ ዝጠልብ እዩ።

እዚ እማመ፡ ምስ መሰል ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝጻረር ምዃኑ ብዙሓት ወገናት ይዛረቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com