Saturday , May 18 2024

ጉዳይ ዘተ ክፍሊት ትሕጃ ናይቲ መጥቃዕቲ ሳይበር (cyber attack) ዝፈጸመ መንእሰይ ተቛሪጹ

ትማሊ ረቡዕ፡ እቲ ብምስርሳር ሒሳባት ትዊተር ናይ ፍሉጣት ዝኾኑ ሰባት ዝተኸሰ ኣብ ታምፓ፡ ፍሎሪዳ፡ ዝቕመጥ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡ ብመንገዲ ኣገልግሎት ቪድዮ ዙም፡ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ተፈሊጡ።

ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበሉ ዕላማ፡ መጠን ዝተበየነሉ ገንዘባዊ ዋሕስ ክጎድለሉ ዝኽእል መንገዲ ንምፍጣር ብምባል ዘተ ንኸካይድ እዩ ኔሩ። እንተኾነ፡ እቲ ዝካየድ ዝነበረ መስመር ኣኼባ ብምጭዋዩ፡ ናይ ሙዚቃ ድምጺ፡ ምውጫጭን ዘይተደልዩ ፊልምታትን ክመሓላለፉ ምጅማሮም ተሓቢሩ።

እቲ ዘተ ከም እንደገና ቐጺሉ። ሕጂ ውን እንተኾነ፡ እቶም ሰርሰርቲ ነቲ መስመር ንኻልኣይ ግዜ ብምጭዋይ ተመሳሳሊ ድምጽን ፊልምታትን ከመሓላልፉ ምስ ጀመሩ፡ እቲ ዳኛ ነቲ ዘተ ብምቁራጽ እቲ መጠን ገንዘባዊ ትሕጃ፡ 725 ሽሕ ዶላር፡ ከምዘይቅይሮ ብምሕባር እቲ ናይ ዘተ መኣዲ ከምዝቋረጽ ኮይኑ።

ኣብ 15/07/2020፡ እዚ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይን ካልኦት ክልተ ሰባትን፡ ብሓባር፡ ንሒሳባት ናይ ከም በዓል ቢል ጌትስ፡ ባራክ ኦባማን ጆ ባይደን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት ብምጭዋይ፡ ነቲ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ንኽዝርግሑ ምእንቲ ካብ ግዱሳት ሰባት ቢት ኮይን (Bit Coin) ናብ ሒሳባት ናይ’ዚ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ከምዝኾነ ዝንገረሉ፡ ንኸሰጋግሩ ምሕታቶም ፖሊስ ኣሜሪካ ምግላጹ ይዝከር


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com