Friday , May 17 2024

ጋንታ ኣትለቲክስ ሽወደን ብምኽንያት ኮቪድ ተሰናኺላ።

ጋንታ ኣትለቲክስ ሽወደን፡ ኣብቲ ኣብ ዩጂን-ኦሬገን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ዝጀመረ ሻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም፡ መሰናኽል ከም ዘጋጠማ ተገሊጹ። እቲ ውድድር ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣሰልጣኒ ማራቶን እታ ጋንታ ክርስትያን ሙንት፡ ብኮቪድ ብምልካፉ እያ እታ ጋንታ መኻልፍ ኣጋጢምዋ ዘሎ ተባሂሉ’ሎ።

“እዚ ሓማቕ ዜና እዩ፡ እቲ ሕማም ካብዚ ንላዕሊ ኣስፋሕፊሑ ከይህሉ ተስፋ እገብር” ክትብል ኣሰልጣኒት እታ ጋንታ ካሻ በርክቪስት ገሊጻ’ላ።.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com