Saturday , May 18 2024

ግሪክ፡ ናብ ሃገራ ንምእታው ዘኽእሉ፡ ምስ ለበዳ ኮሮና ዝተሓሓዙ፡ ሕግታት ተትርር

በጻሕቲ ገያሾ፡ ናብ ሃገረ ግሪኽ ንኽኣትዉ ዘኽእሎም ናይ 72 ሰዓታት ዕድመ ዘለዎ፡ ካብ ኮሮና ነጻ ምዃኖም ዝሕብር፡ ውጽኢት መርመራ ካብ ሰኑይ ዕለት 17/8/2020 ጀሚሩ ከቕርቡ ከምዝግባእ መንግስቲ ግሪኽ ምሕባሩ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣቃሊሑ።

እዚ ዓይነት መርመራ ብስም PCR ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓደ ሰብ ብኮሮና ዝተለኽፈ ንኸይከውን ንምፍላጥ ዝግበር መርመራ እዩ።

ኣብ ግሪኽ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ይውስኽ ምህላዉን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ጥራይ፡ 29 በጻሕቲ ዝርከብዎም 203 ሰባት ብኮሮና ከምዝተለኽፉ ተሓቢሩ።

ካብ ኮሮና ነጻ ምዃን ዝሕብር ውጽኢት መርመራ ነቶም ካብ ሽወደን፡ ቼክ ሪፓብሊክ፡ ቤልጂም፡ ስፓኛን ሆላንድን ዝመጹ በጻሕቲን ካብዘን ሃገራት ዝምለሱን ዝምልከት ምዃኑ ወሃቢት ቃል መንግስቲ ግሪኽ፡ ኣርስትሪላ ቢሎናይ፡ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com