Saturday , May 18 2024

ግሪኽ፡ ናብ ሽወደን ንዝግበር ቀጥታዊ በረራታት ደው ኣቢላቶ ተባሂሉ

ካብ ሽወደን ናብ ግሪኽ ዝግበር ዝነበረ ቀጥታዊ በረታት ክሳብ 15 ሓምለ ፍቑድ ከምዘይኮነ ሰብ መዚ ግሪኽ ኣፍሊጦም። እዚ ውሳነ ነቲ ካብ ብሪጣንያ ንዝግበር ቀጥታ በረራ እውን ዝምልከት እዩ ተባሂሉ።

ካብ 15 ሰነ ጀሚሮም ናብ ኣቴንስን ተሰለንቈን ዝግበሩ ዝነበሩ በረራታት ፍቑዳት ምዃኖም ተሓቢሩ።

ኣብ ዕለት 01/07/2020 ጀሚሩ  ኩሎም ናይ ግሪኽ መዓርፎ ነፈርቲ ነተን ሽወደንን ዓዲ እንግሊዝን ዝርከበአን ብለበዳ ኮሮና እምብዛ ዝተጠቕዓ ሃገራት ገዲፍካ ንኻልኦት ሃገራት ዝግበር ኣህጉራዊ በረራታት ክፉታት ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።

እዚ ናይ ምኽፋት መስርሕ ብቐጻሊ ገምጋም ከም ዝካየደሉ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኪርያኮስ ሚስቶታኪስ ምስ ወከልቲ ጥዕና ቱሪዝምን ሲቪላዊ ምክልኻልን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣካያዲ ቱሪዝም፡ ቱዊ፡ ነዚ ዜና ገና ዘይተረጋገጸ ወረ እዩ ክብል ሓቢሩ።

ካብ ሰብመዚ ግሪኽ ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ወግዓዊ ሓበሬታ ክንሰምዕ ንጽበ ኣሎና ክትብል ኢዛቤላ ጋርዳጊ  ምስ ኣገልግሎት ዜና TT ኣብ ዝገብረቶ ርክባት ገሊጻ።

መንገዲ ኣየር SAS ናብ ኣቴንስ ተሰሎንቄን ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ተወሳኺ በረራታት ከም ዘለዎን ገና ውሳነ ይጽበ ምህላዉን ኣካያዲ ፕረስ እቲ መንገዲ ኣየር ጆን ኤክሆፍ ገሊጹ።

ግሪኽ ነዚ ውሳኔ ምውሳዳ ነቲ ብለበዳ ኮሮና ብኸቢድ ዝተጥቕዓ ዝሕብር ብመንገዲ  ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወጸ መግለጺ ከም መወከሲ ድሕሪ ምጥቃማ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ግሪኽ ብዕቱብ ጥንቃቐ ብኣግኡ ዶባታ ብምዕጻው ንኣሃዝ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ 3400 ጥራይ ደው ክብልን መጠን ሞት ድማ 191 ጥራይ ክኸውን ኣብ ምግባር ጽቡቕ ስራሕ ምስራሓ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com