Sunday , May 19 2024

ግሬታ ሱንበሪ ን ኣንጀላ መርከል ጸቕጢ ትገብር

ቻንስለር ጀርመን፡ ኣንጀላ መርከል፡ ንግሬታ ሱንበሪ ኣብ በርሊን ተቐቢላ ኣዘራሪባታ። እቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ ነቲ ብፍራይደይስ ፎር ፊዩቸር “Fridays for future” ዝተባህለ ብግሬታን ዝተበገሰ ምንቅስቓስ፡ ዛዕባ ዝገበረ ምንባሩን፡ ነዛ ጓል 17 ዓመት ተቐቢላ ምዝርራባ፡ መርኬል፡ ሕጉስቲ ምንባራ ገሊጻ።

ኣብቲ ርክብ፡ ካልኦት ካብ ጀርመንን ቤልጅምን ዝመጹ ብዕድመ ናእሽቱ ዝኾኑ ተሓለቕቲ ክሊማ ከምተረኽቡ  ተሓቢሩ። ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ ኣመልኪቶም፡ ኤውሮፓውያን መንግስታት፡ ስጉምታት ንኽወስዱ ብዙሕ ግዜ መብጽዓታት ምእታዎምን ነዚ ከተግብር ዝኽእል ፖሊሲ ብዘይምንዳፎምን እዞም ተሓለቕቲ ነቐፌተኦም ከቕርቡ ትጽቢት ይግበር።

ንክሊማዊ ለውጢ ምቅላልን ከም ከባብያዊ ቅልውላው ጌርካ ዘይምውሳዱን ነቶም ክውሰዱ ዝግበኦም ዝነበረ ስጉምታት ኣደስኪልዎም ይርከብ ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ድማ ህጹጽ ዝኾነ ስጉምቲ ንኽትወስድ ንቻንስለር፡ ኣንጀላ መርከል፡ ክንሕብር ኢና ክብሉ እቶም ተሓለቕቲ ኣብ ደብዳቤኦም ከምዝጸሓፉ፡ ጀርመናዊ ጋዜጣ ደር ሽፒገልን (German Der Spiegel) እንግሊዛዊ ዘ ጋርድያንን (The Guardian) ኣብ ናይ ረቡዕ  ዓምድታቶም ኣስፊሮም።  

ንክሊማዊ ለውጢ ኢላ፡ ግሬታ ሱንበሪ፡ ኣድማ ምሕሳም ትምህርቲ ካብ ትጅምር፡ ካልኣይ ዓመታ ምሓዛ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com