Saturday , May 18 2024

ግሬታ ሶንቤሪ፡ ዓለምለኻዊ ሽልማት ወሲዳ

ኣብ ጉዳያት ኣከባብን ክሊማን እትነጥፍ ሽወደናዊት፡ ግሬታ ሶንቤሪ፡ ንእትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ብምምጓስ ካብ ተጣባቒ መሰል ደቂ ሰብ ዝኾነ ፖርቱጋላዊ ውድብ፡ ጎልበንክያን፡ ሽልማት ምርካባ ተሓቢሩ።

ዋጋ ናይቲ ሽልማት፡ ብሚልዮናት ክሮነር ዝግመት ኮይኑ፡ ግሬታ፡ ነተን ኣብ ጽላት ኣከባብን ጸረ ክሊማዊ ለውጢ ዝቃለሳ ውድባት  ከተወፍዮ ምዃና ሓቢራ።

ሽልማት ክትወስድ ምብቃዓ ሕጉስቲ ምዃና፡ ብዝያዳ ንኽትሰርሕ ከምዘተባብዓን ዓቢ ትርጉም ከምዘለዎን፡ ግሬታ፡ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢኣ፡ ኢንስተግራም፡ ሓቢራ።

ግሬታ፡ ነዚ ዘሎ ኩነታት ንኽትልውጥን ምእንቲ ክሊማ ብእትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ጻዕሪ ኣብ ልዕሊ ንኡስ ወለዶ ዕዉት ዝኾነ ጽልዋ ተሕድር ብምህላዋ፡ ሓንቲ ካብ ኣገደስቲ ሰባት ናይ ዘመንና ከም ትኸውን ገይሩዋ ኣሎ ክብል ናይ ቅድም ፕረዚደንት ፖርቱጋል ዝነበረ ሕጂ ድማ ኣባል ኮሚቴ ደያኑ ዝኾነ ኾርኼ ሳምባዮ ገሊጹ።

ምእንቲ ቀጻሊት ዓለም ዝቃለሳ ውድባትን ፕሮጀክታትን ድማ ሓደ ሚልዮን ዩሮ (10 ሚልዮን ክሮነር) ክውፈየለን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣንጻር ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዘጋጥም ሕማም ኮቪድ-19 ዝሰርሕ ፕሮጀክት፡ SOS Amazonia፡ ሓደ ካብቶም ካብ ትካል Thunberg ምወላ ዝርክብ ምዃኑ ማዕከን ሓበሬታ ሽወደን፡ TT፡ ኣብ ጸብጻባቱ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com