Sunday , May 19 2024

ግሬታ ቱምበሪ ናብ ኣፍደገ ፓርላማ ሽወደን ተመሊሳ

ኣብቲ ንፈለማ ግዜ ታቤላ ሒዛ ደው ዝበለትሉ ከባቢ ሚንቶሬት፡ ስቶክሆልም፡ ዝርከብ ህንጻ ፓርላም ሽወደን፡ ግሬታ ቱምበሪ፡ ተቓውሞኣ ንምቕጻል ተመሊሳ ከምዘላ ምንጭታት ሓቢሮም።

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝጅምር፡ ቱምቤሪ፡ ተቓውሞኣ ብመንገዲ ኢንተርኔት ሰሙናዊ ብቐጥታ ተመሓላልፍ ከምዝጸነሐት ይዝከር። ሎሚ ዓርቢ ኣብ ናይ ኢንስተግራም ሒሳባታ  “መበል 106 ሰሙን ምሕሳም ትምህርቲ። ናብ ኣፍደገ ፓርላማ ሽወደን ናይ ምምላስ እዋኑ ኣኺሉ” ክትብል ከምዝጸሓፈት ተፈሊጡ ኣሎ።

ቱምቤሪ፡ ምስ ካልኦት ብዙሓት ተጣበቕቲ ክሊማ ኮይና፡ ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ናይ ኣፍ ምስክን ገይሮም ዝተሰኣለቶ ስእሊ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ጠቂዓ ትርከብ። ነቶም ሰዓብታ ድማ ርሕቀት ክሕልዉን መምርሒታት ክኽተሉን ጸዊዓ ኣላ።

እቶም ተጣበቕቲ፡ ክሳብ ሰማዒ እዚኒ ዝረኽቡ፡ እቲ ዝገብርዎ ከምዘየቋርጽዎ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com