Friday , May 17 2024

ግብጺ. . . መትረብ ስዌዝ፡ ብሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ተዓጊቱ

ሓንቲ ዓባይ ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ኣብ መትረብ ስዌዝ፡ ብጸቢብ ክትጥወ ክትብል ነቲ መትረብ ከም ዝዓገተቶን ትራፊክ መራኽብ ተጨቓጪቑ ምህላዉን ተገሊጹ። ብርክት ዝበላ ጀላቡ ነዛ 59 ሜትሮ ዝንውሓታ ኤቨር ግሪን ዝተባህለት መርከብ ናብቲ ዝሓሰበቶ ኣንፈት ንምምእዛን፡ ተዋፊረን ኣለዋ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ምዕጋት፡ ኣብቲ ንማእከላይን ቀይሕ ባሕርን ዘራኽብ ሰሜናዊ ጫፍ እቲ መትረብ ከም ዘጋጠመ ድማ ተፈሊጡ። መርከብ ኤቨር ግሪን ካብ ቻይና ናብ ሮተርዳም እናተጓዕዘት እያ እዚ ፍጻሜ ኣጋጢምዋ ዘሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com