Sunday , June 16 2024
Credit: Babak Parham / Sveriges Radio

ጎስጓስ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ይካየድ ኣሎ

ትማል ረቡዕ ንምርጫ ባይቶ ኤውሮጳ ብኣግኡ ምድማጽ ተጀሚሩ። ንዝመጻ ክልተ ሳምንታት ኣብዚ ምርጫ ክሳተፉ ድሌት ዘለዎም
ቅድሚቲ 9 ሰነ ዝካየድ ወግዓዊ ምሃብ ድምጺ ክገብሩ ክኽእሉ እዮም። ኣክቲቪስታት ሰልፊ ሕጂ ኣብ ኣደባባያት ብዙሓት
ከተማታትን ኣብ ናእሽቱ ባህላዊ ኣጓዱ ጎስጓስ ምርጫ ክገብሩ፡ ንመራጽቲ ክዛረቡን ወረቓቕቲ ክዕድሉን ይረኣዩ’ለዉ። ኣብ
ማእከላይ ስቶክሆልም ዝርከብ ኣደብባይ ሰጌስቶር ኣብዚ ሕጂ እዋን ስእልታት ሕጹያት ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ዘለዉዎም ሕብራዊ
ባነራት ዓሚሩ መረጽቲ ንምስሓብ ተዳልዩ’ሎ። ሬድዮ ሽወደን ንሰራሕተኛታት ሰልፍን መረጽቲን ኣዘራሪባ’ላ። ኣብ ኣፍደገ ኣጒዶ
ሰልፊ ሞደራትና ብምዃን ንሕጹያት እቲ ሰልፊ ደገፍ ስጒስጒስ ኣንድሬ ድማ “ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዘካየደቶ መጠነ ሰፊሕ
ወራር ብ ኣድመጽቲ ብብዝሒ ዝለዓል ጒዳይ” ምዃኑ ይዛረብ። ብፍላይ ድማ እቶም ልዕልና ሩስያ ኣብ ዘመነ ሕብረት ሶቭዬት
ዘርከቡሉ ብዕድመ ዕብይ ዝበሉ ሰባት ሳዕቤን እዚ ወራር እንታይ ክኸውን እዩ ዝብል ሻቕላ ከም ዘለዎም፥ እዚ ይዂንምበር
መናእሰይን ኮተቴን እዋን ኣብ ሽወደን ዘሎ ዴሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ባህሊ ክዕቀብ ኣዝዮም ከም ዝደልዩ ወሲኹ ይሕብር።
ብዘይካዚ ሕብረት ኣውሮጳ ን ረብሓ ሽወደን ዘየገልግል እንተኾይኑ ኣብ መጻኢ ሽወደን ካብኡ ክትወጽእ ተኽእሎ ምህላዉ ካብ
መረጽቲ ተሰሚዑ’ሎ። ኣቐድም ኣቢሉ ምእታው ሽወደን ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝተቓወመ፥ ድሒሩ ግና ደገፉ ዝሃበ ጸጋማይ
ሰልፊ ብወገኑ፥ መረጽቲ ከምቲ ቐደምና ኣንጻር ምጽንባር ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘይምዃንና ብትሪ ይነቕፉና ኣለዉ ኢሉ። ሄንሪ
ንመጀመርታ ግዜ ዝመርጽ ዘሎ ተማሃራይ እዩ። ንሱ “ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዘሎ ግርጭት ደው ክብል ድሌት ከም
ዘለዎ፥ እንተኾነ ግና ኣብ ፖለቲካ ሰልፍታት ሽወደን ዝያዳ ንጻረ ስነ-ሓሳብ እተንዝህሉ ዝብል ሕሳብ እዩ ዘለዎ። “ኣብ መንጎ
ሞደራትናን ማሕበራዊ ዲሞክራስን ኣብ ቃላቶምን መደረኦምን እዚ’ዩ ዝበሃል ፍልልይ እርኢ የለኹን” ይብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com