Sunday , May 19 2024
(Roni Rekomaa/Lehtikuva via AP) LLT811

ጒዳይ ኣባልነት NATO ንፊንላንድን ሽወደንን የቀራርበን ኣሎ።

ሎሚ ረቡዕ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማሪን ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ኣብ ስቶክሆልም ተራኺበን ብዛዕባ ጸጥታዊ ፖሊሲ፡ ከምኡ’ውን ክልቲኣተን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ክጽንበራዶ ኣለወን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘትየን ኣለዋ። እዚ ምርኻብ ክልቲኣተን መራሕቲ ናብ መንግስቲ ፊንላንድ ዝቐረበ ጸጥታዊ ትንተና ስዒቡ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ብመሰረት እዚ ትንተና ባይቶ ፊንላንድ ኣብ ጒዳይ NATO ውሳነ ከሕልፍ ትጽቢት ክግበር እዩ። ኣብ እዋን ርክብ ክልቲኣተን ቀዳሞት ሚኒስተራት ሳና ማሪን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ክልቲኣተን ሃገራት ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ግዜ ሰሌዳ ሓደ ዓይነት ውሳነ ከሕልፋ ከም ዝግባእ ገሊጻ’ላ። ክልቲኣተን ሃገራት ብዛዕባ ኣባል ኔቶ ምዃንን ዘይምዃንን ዝብል ጒዳይ ብውልቀን ዝውስና እኳ እንተኾና ብቕርበት ክዝትያሉ ከም ዝኽእላ እተን መራሕቲ ወሲኸን ገሊጸን ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com