Friday , May 17 2024

ጠለብ ቀይሕ መስቀል ይውስኽ ኣሎ።

Credit: Ulla Engberg/Sveriges Radio

ንገዛእ ርእሶም ንምዕንጋልን ክኽደኑን ካብ ሲቪላዊ ማሕበራት ሓገዝ ዝሓቱ ሽወደናውያን ቁጽሮም እናወሰኸ ምምጽኡ ቀይሕ መስቀል ሽወደን ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ብመሰረት እቲ ትካል ገባሪ ሰናይ፡ ዝበዝሑ ሰባት ኣብ ከም መግብን ክዳውንትን ዝኣመሰሉ ኣዝዮም መሰረታውያን ነገራት ሓገዝ ዘድልዮም እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ናይ መዓልታዊ ህይወት ምንቅስቓሶም ምኽርን ደገፍን ዝሓቱ ሓደስቲ ጉጅለታት እናበርከቱ መጺኦም ኣለዉ። “ዘሎና ውሱንነት ማል ንነፍሲ ወከፍ ወጻኢ ሳንቲም ብዕቱብ ክንከታተል ይቕስበና’ሎ” ትብል ሬድዮ ሽወደን ኣብ ደገ ብተሓተ ዋጋ መግብን ካልእ ኣቑሑትን ዘቕርብ ማሕበራዊ ሱፐርማርኬት እናሸመተት ዝረኸባ ጉኒላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com