Sunday , May 19 2024

ጠሊቕካ ኣብ ምሕንባስ ዝነጥፉ ወጻእተኛታት (ዳይቨርስ) ብሰንኪ ድሕነታዊ ስግኣት ካብ ስርሖም  ይወጹ::

ጥሒልካ ኣብ ምሕንባስ ዝነጥፉ ወጻእተኛታት፥ ብምኽንያት ጸጥታዊን ድሕነታዊን ስግኣታት ኣብ ሽወደን ዝነበረ ስርሖም ገዲፎም ይወጹ ከምዘለዉ፥ ዳህሳሲ መደብ ሬድዮ ሽወደን–“ካሊበር”–ኣጣሊሉ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጻ ሽወደን ክሰርሕ ዝጸንሐ ስኮትላንዳዊ ፕሮፌሽናል ዳይቨር ራስል ሲምፕሰን፡ ኣብ ሽወደን ምስራሕ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ኣብ ዝብል ግንዛበ ብምብጽሑን፥ ኣብ ሽወደን ምቕጻል ካብ ረብሓኡ ጒድኣቱ ዝዛይድ መሲሉ ስለዝተራእዮን ክወጽእ ከም ዝወሰነ ገሊጹ’ሎ።

“ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ እየ። በዚ ድማ ኣብ ሽወደን ንምጽናሕ ዓሻ ድፍረት ክህልወኒ ኣይደልን እየ” ክብል ንካሊበር ሓቢሩ’ሎ። ካብ ዜናታት ጸጥታ ከይወጻእና ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ዞባ ቬስተቦተን ክሳብ ሕጂ ክብረ ወሰን ዝሓዘ ዓብዪ ምትሓዝ ዕጸፋርስ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብ ኡሜዮ ሓያሎ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከም ዝርከቡ ተገሊጹ። ፖሊስ፡ እዚ ዕጸ-ፋርስ፡ መርበባት ገበነኛታት ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን እግሮም ምንባሮም ዘርኢ ምልክት ምዃኑ ከም ዝኣምኑ ሓቢሮም ኣለዉ።

“ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣዝዩ ዝዓበየ ምምንዛዕ ዕጸፋርስ ጌርና ኣሎና። እዚ ስጡም ውዳበ ዝሓትት ስርሒት እዩ ኔሩ” ክትብል ዓቃቢት ሕጊ እታ ምምሕዳር ዝኾነት ስቲና ስቴነር ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com