Saturday , May 18 2024
Italy's Prime Minister Mario Draghi (Odd Andersen/Pool Photo via AP) LBJ115

ጣልያን፤ ብዙሓት ሰባት ንክኽተቡ ይቀዳደሙ

ኩሎም ኣብ ጣልያን ዝሰርሑ ዜጋታት፤ ካብ ዕለት 15 ጥቅምቲ ጀሚሮም፤ ናብ ስራሕ ክኣትዉ እንተድኣ ኮይኖም፤ ክኽተቡ ከምዝግባእ፤ ወይ ድማ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ ከርእዩ ወይ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ መልከፍቲ ኮቪድ ዝሓወዩ ክኾኑ ከምዝግባእ መንግስቲ ጣልያን ድሕሪ ምግላጹ ብዙሓት ሰባት፤ ቆጸራታት ክታበት ክሕዙ ይቀዳደሙ ከምዘለዉ ካብቲ ሃገር ዝተረኽቡ ጸብጻባት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ብቀጠልያ ፓስፖርት ዝፍለጥ ምስክር ወረቐት፤ ናብ ኣብያተ መግብታት፤ ቤተ መዘክራትን ስፖርታዊ ውድድራትን ንምእታዉ ዘኽእል ፍቓድ ኮይኑ፤ ካብ ወርሒ ነሓሰ፤ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ ይዝከር። ኣብዚ ሰሙን እዚ ድማ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ጣልያን፤ ማርዩ ድራጊ፤ ዝኾነ ዓይነት ጥዕናዊ ሕልኽላኻት ዘይብሎም ከንሶም ክኽተቡ ዘይደልዩ ሰራሕተኛታት፤ ብዘይ ክፍሊት፤ ቡክራት ክሕሰበሎም ምዃኑ፤ ገሊጹ።
ኣብ ሃገረ ጣልያን፤ ፫% ካብቶም ልዕሊ ፪ ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፤ ምሉእ እብረ ክታበት ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com