Friday , May 17 2024
Dr. Zahi Hawass talks to media in a 3,000-year-old lost city in Luxor province, Egypt, Saturday, April 10, 2021. The newly unearthed city is located between the temple of King Rameses III and the colossi of Amenhotep III on the west bank of the Nile in Luxor. The city continued to be used by Amenhotep III's grandson Tutankhamun, and then his successor King Ay. (AP Photo/Mohamed Elshahed) DV108

ጥንታዊት ከተማ ግብጺ ብኹዕታ ተረኺባ

ንኣስታት 3000 ዓመታት ብሑጻ ምድረበድ ግብጺ ተቐቢራ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ግብጺ ተረኺባ። እዚ ድሕሪ መቓብርን ቅርሲን ፈርኦን ቱታንካሙን እቲ ዝዓበየ ክኸውን ከም ዝኽእል ቢቢሲ ሓቢራ’ላ።

ህቡብ ተመራማሪ ጥንታዊት ግብጺ (Egyptologist) ዛሂ ሓዋዝ እዛ ጥንታዊት ከተማ ኣብ ጥቓ ላቕዛር ብሓሙስ ከም እትረኽበት ገሊጹ። ዛጊት ብዂዕታ ካብ ዝተረኽባ ከተማታት እታ ዝዓበየት ከም ዝኾነት ድማ ኣመልኪቱ።

ካብ መስከረም 2002 ኣትሒዙ ብዝተኻየደ ጥንቃቐ ዝመልኦ ኲዕታ መሽጐራጒርን ቅርጻ ህንጻታትን እታ ከተማ ክዕቀብ ተኻኢሉ’ሎ። እዛ ከተማ ኣብ እዋን ፈርኦን ኣመንሆቴፕ ሳልሳዊ ዝተሃንጸት ክትከውን ከም እትኽእል ድማ ተገሊጹ። ኣመንሆቴፕ ካብ 1931-1354 ቅ/ል/ክ ዝገዛአን ካብቶም ኣዝዮም ሓያላት ፈርኦናት ግብጺን ምዃኑ ይፍለጥ። ከምኒ ኣይን ቱታንካሙን ዝበሉ ፈርኦናት ዝነገሱላ ከተማ እያ ኔራ—ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ።

ኣብዚ ኲዕታ ብዘይካ እታ ከተማ ካልእ ኣገዳስነት ዘለዎ ስነኲዕታዊ ቅርሳታት ከምኒ ሕብራዊ ዕትሮን መጋየጺታትብ እውን ተረኺቡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com