Saturday , May 18 2024

“ጸሓይ ክረምቲ” ኣብ መወዳእታ ናይ ዝቕጽል ሰሙን ክምለስ እዩ ተባሂሉ

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሽወደን፡ ዝናብን ንፋስን ዝዓብለሎ ክሊማ፡ ነቶም ናይ ክረምቲ ጸሓይ ከስተማቕሩ ዝደልዩ ሰባት ስምዒቶም ኣባላሽዩ ከምዝቐነየ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ መወዳእታ ናይ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሩ ግን ምዉቕን ጸሓይ ዝዓብለሎ ክሊማ ክህሉ ከምዝኽእል ሜትሮሎጂካዊ ትምቢታት ከም ዝሓበሩ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ገሊጻ።

ኣብዘን ተሪፈን ዘለዋ ናይዚ ሰሙን መዓልታት ክሳብ መወዳእታ ናይ ዝቕጽል ሰሙን ዘይርጉእን ትሕት ዝበለ መጠን ሙቐት ዘለዎ ክሊማ ክህሉ ምኻኑን ካብ መወዳእታ ናይ ዝቕጽል ሰሙን ግን ርጉእ ዝኾነ ጸሓይ ዝዓብለሎ ሙዉቕ ክሊማ ክህሉ ምኻኑ ክኢላ ሜትሮሎጂ፡ ሚካኤል ኾስትራንድ፡ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ መላእ ሽወደን፡ ከምቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተራእየ ልዑል መጠን ሙቐት ኣይክህሉን እዩ። ኣብ መጀመርያ ዘይርጉእ ክሊማ ክህሉ እዩ። ድሒሩ ግን መጠን ሙቐት ካብ 200 ክሳብ 250 ክኽውን ከምዝኽእል ኾስትራንድ ገሊጹ።

መጠን ሙቐት ኣብ ጎቦታትን ምዕራባዊ ጎላጉልን ዝተሓተ ክኸውን እዩ። ትጽቢት ዝተገብረሉ ዝናብ ክዘንብ ተኽእሎታት ስለ ዘሎ ንናይ ባርዕ ሓደጋታት ከውሕዶ ክኽእል እዩ ክብል ኾስትራንድ መግለጺኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com