Friday , May 17 2024

ጸጋማዊ ሰልፊ፡ ናይ ቀደም ፖሊሲ ስደተኛታት ንኽምለስ ይሓትት

ጸጋማዊ ሰልፊ፡ ንመብዛሕትኡ ብኮሚቴ ኢሚግሬሽን ዝቐረበ ሓድሽ እማመ ፖሊሲ ስደተኛታት ከምዘይድግፎን እቲ ናይ ቀደም ዝነበረ ፖሊሲ ስደተኛታት ንኽምለስ ከምዝጠለበ TT ሓቢሩ።

ኮሚቴ ኢሚግሬሽን፡ መምርሒታት መንግስቲ ኣይተኸተለን ክትብል ወኪል ጸጋማዊ ሰልፍ ኣብ ኮሚቴ ኢሚግሬሽን፡ ክርሲትና ላርሰን፡ ገሊጻ።

እዚ ኮሚቴ፡ ቀጻልነትን ሰብኣውነት ዝመልኦ፡ ውሑስን ሕጋውን፡ ፖሊሲ ስደተኛታት ከቕርብን ካብተን ካልኦት ኤውሮፓውያን ሃገራት ዝኽተለኦ ፖሊሲ ብዙሕ ፍልልይ ዘይብሉ ክኸውን ከምዘለዎ ብመንግስቲ ሓበሬታ ተዋሂብዎ ምንባሩ ይፍለጥ።

እዚ ኮሚቴ፡ ነቲ ኖርወይን ደኒማርክን ዝኽተለኦ ፖሊሲ ስደተኛታት ከም መነጻጸሪ ወሲዱ፡ ንትርር ዝበለ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዝዕድም ኣካይዳ ክጥቀም ወሲኑ። ኣብ መምርሕታት መንግስቲ ድማ ነዘን ሃገራት ከም መወከሲ ተጠቀሙለን ዝብል ሓበሬታ ከምዘየለን፡ እዚ ኮሜቴ ባዕሉ ዝመሃዞ እዩ። ደኒማርክን ኖርወይን ዘይ ከም ሽወደን፡ ኣብቲ ሕግታት ናይ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት እትዋት ከምዘይኮና፡ እዚ ኮሚቴ፡ ዝዘንገዖ ይመስል ክትብል ላርሰን ገሊጻ።

ኮሚቴ ኢሚግሬሽን፡ ንግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ፡ ከም መሰረታዊ ረቛሒ ክወስዶ ምሕሳቡ፡ ብወገን ጸጋማዊ ሰልፊ ዝተነጽገ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ኩነታት ውህደት ስለዝኾነ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደንን ስደተኛታትን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ፡ ኣዘኻኺሩ።

ጸጋማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ብኮሚቴ ኢሚግሬሽን ዝቐረበ፡ ንምትእኽኻብ ስድራቤት ገንዘባዊ ዓቕሚ ክህልወካ ኣለዎ ዝብል፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኽትወስድ ገንዘባዊ ዓቕሚ ክህልወካ፡ ምልከት ቋንቋን ምስ ሕብረተሰብ ክትወሃሃድ ኣለካ ዝብል ቅድመ ኩነት ከምዘይድግፎ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com