Saturday , May 18 2024

ጸጸር ናይ ኩሊት ማለት እንታይ ማለት እዩ

ጸጸር ናይ ኩሊት ማለት እንታይ ማለት እዩ ?

ምስ ሽንቲ ኩሉ ግዜ ርስሓት ይወጹ።እንተድኣ እዞም ርስሓት ብግቡእ ወይድማ ሙሉእ ብሙሉእ እንተዘይሓቂቆም ኣብ ክፋል ኩሊትና ክሪስታላዊ ወይ ጸጸር ይገብሩ። እዚ ድማ ጸጸር ናይ ኩሊት ኢልና ንሰምዮ። ንኣሽቱ ጸጸር ናይ ኩሊት እንሓንሳብ ምስ ሽንቲ ክወጹ ይኽእሉ እንሓንሳብውን ኣብ ሻምብቆታት ናይ ሽንቲ ተላሒጎም ይተርፉ ።እዚ ድማ ቃንዛ ጸጸር ኩሊት ከላዑሉልና ይኽእሉ።ጸጸር ናይ ኩሊት እንሓንሳብውን ጠንቂ ናይ ረኽሲ ሻምብቆታት ሽንቲ ክኾኑ ይኽእሉ።


ምልክታት ጸጸር ናይ ኩሊት እንታይ እዮም ?
።ቡርቱዕ ሃንደበታዊ ቃንዛ ብጎንና ወይውን ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ከብድና ይስምዓና።እዚ ቓንዛ ኣመጻጽኡ ማዕበላዊ እዩ።እዚ ድማ ጨባጢ ቃንዛ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ማዕበላዊ ቃንዛ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ደው ከተብሎ ወይ ከተህድኦ ኣይትዕወትን ኢኻ።
። ምስ ማዕበላዊ ቃንዛ ዕግርግር ወይ ተምላስ ክህልወካ ይኽእል።
።ቃንዛ ቀስ ብቀስ ካብ ጎንና ናብ ታሕተዋይ ክፋል ክብድና ክስምዓና ይጅምር። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ጸጸር ካብ ኩሊት ቀስ ኢሉ ናብ ፍሕኛ ገጹ ስለዝኸይድዩ።
።እንተድኣ ጸጸር ናብ ፍሕኛ ክበጽሕ ክኢሉ ምናልባት ቡዙሕ ወይ ተደጋጋሚ ናይ ምሻን ስምዒት ክህልወና ይኽእል።
።እንተድኣ ጸጸር ኣብ ሻምብቆታት ናይ ሽንቲ ደው ኢሉ ምስ ሽንትና ቁሩብ ደም ዝተሓወሶ ሽንቲ ክንሸይን ንኽእል።እዚ ድማ መርመራ ናይ ሽንቲ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ክርኤ ይክኣል።ገለ እዋናት ሕብሪ ናይ ሽንትና ሮዛ ክመስል ይኽእል።
። ድሕሪ ገለ መዓልታት እዚ ጥርዓናትዚ ዳርጋ ኹሉ ደው ይብል።መብዛሕቱ ግዜ ጸጸር ድሕሪ ገለ መዓልታት ናብ ፍሕኛ ሽንቲ ይመጽእ።
።ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ጸጸር ኣብ ንሸነሉ እዋን ምስ ሽንቲ ይወጹ።እንሓንሳብ እዚ ትርእዮዚ ድሕሪ ገለ ሳምንታት ክኸውን ይኽእል።ጸጸር ምስ ሽንቲ ኣብ ዝወጽሉ እዋን ቃንዛ ኣይስምዓናን መብዛሕቱ ግዜውን ኣይነስተውዕለሉን ኢና።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ሻምብቆ ሽንቲ ካብ ፍሕኛ ንደገ ካብ ሻምብቖ ሽንቲ ካብ ኩሊት ናብ ፍሕኛ ስለዝገፍሕ እዩ።1

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com