Saturday , May 18 2024
Henrik Montgomery/TT och privat

ጽንብል ምምራቕን ምዉዳእን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከይግበር ተኣዚዙ።

ኣብ ሽወደን ኣብ ወርሒ ሰነ ኣበየ ዓመቱ ንምዝዛም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ተማሃሮን ማለት Studenten fest ዝካየዱ ጽምብላት፣ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ከይግበር ከምዝተመኽረ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሽወደን ሓቢሩ። ብመሰረት ንመዋእል ዝጸንሐ ባህሊ ምጽንባል ምዝዛም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፣ ንመንእሰያት ተማሃሮ ትምህርቶም ዝዉድእሉን፣ መገዲ ሂወት ልዕሊ ዕድመ ዝኣትዉሉን ከምኻኑ መጠን እቲ ዝግበር ጽምብል ነዚ ምኽንያትን መሰረትን ዝገበረ ከምዝኾነ ይፍለጥ፣ ሎሚ ዓመት ግን ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና እቲ ጽምብል ክዉንዘፍ ከቢድ ቃንዛ እንዳተሰማዓና ነዚ ምኽርን ነማሓላልፍ ክብል እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ኣብ ሽወደን ናህሪ ቁጽሪ ምዉታት ኮቪድ – 19 ብተዛማዲ ይጎድል ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com