Saturday , May 18 2024
Taliban fighters outside the University of Kabul. (AP Photo/Bernat Armangue) BA101

ፈረንሳ፡ ጣሊባን ሓሰውቲ እዮም ክትብል ገሊጻ

ፈረንሳ ምስ ሓድሽ መንግስቲ ጣሊባን ዝኾነ ዝምድና ኣይክህልዋን እዩ ክብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ዢን ይቬስ ለ ድርያን (Jean-Yves Le Drian)፡ ኣፍሊጡ ክብል ተተ ሓቢሩ።
ለ ድርያን፡ ብዛዕባ ኣብ ቀጻሊ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝግበር ምውጻእ ንምዝታይ ኣብ ቐጠር ይላዘብ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። “ጣሊባን ወጻእተኛታት ይዂኑ ኣፍጋናውያን ክወጹ፥ ንዂሉ ዘሳትፍን ዝውክልን መንግስቲ ከኣ ክቐውም ድሌት ከም ዘለዎም እዮም ዝገልጹ፥ እዚ ግና ኣልዕል ኣቢሎም እዮም፥ ሓሰውቲ እዮም” ክብል እቲ ሚኒስተር ንተሌቪዥን ፈረንሳ TV5 ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።
ፈረንሳ ዛጊት 3000 ዝኾኑ ሰባት ካብ ኣፍጋኒስታን ከም ዘውጽአትን ነዚ ዝኸውን ተክኒካዊ ልዝብ ምስ ጣሊባን ከም ዘካየድትን ዝፍለጥ እዩ። ዛጊት ካብ ኣፍጋኒስታን ዘይወጹ ኣማኢት ፈረንሳውያን ምህላዎም እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

Protesters listen to speeches during a protest in Bayonne, southwestern France,
(AP Photo/Bob Edme) BOB104

 

እዚ እናኾነ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ዘይተኸትቡ ሰባት ዘይተደልየ ኣድልዎ ይፍጸም ኣሎ ብምባል 120 ሽሕ ሰባት እተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ ኣሎ። ፈረንሳ ንዝተኸትቡ ሰባት ምክስር-ወረቐት ትህብ ኮይና ናብ ካፌታት፥ ኣብያተ መግቢን ህዝባዊ ቦታታትን ክንቀሳቐሱ ከም ትፈቅድ ዝፍለጥ እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ መንጎ ፖሊስን ህዝቢን ዝተኻየደ ግርጭት፡ 85 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ 3 ድማ ቀሊል ማህሰይቲ ከም ዝወረዶም ብተወሳኺ ተገሊጹ።
ፈረንሳውያን ኣንጻር ኣድልዎ ክትባት ተቓውሞ ክገብሩ እዚ 9ይ ግዜኦም እዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com