Saturday , May 18 2024
A teenager in Anglet in southern France receives a vaccine against COVID-19 (AP Photo/Bob Edme) BOB102

ፈረንሳ፡ 3ይ እብረ ክትባት፡ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ክዋሃብ ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ

ፈረንሳ፡ ዕድሚኦም ንዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት ብዝምልከት፡ ካልኣይ ክትባት ድሕሪ ምውሳድ፡ 3 ኣዋርሕ ስዒቡ እቲ 3ይ እብረ ክትባት ንኽውሰድ ምኽርታት ከምዘመሓላላፈት ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ክትባታት ንዝነበር ናይ 5 ኣዋርሕ ፍልልይ ብሰንኪ እቲ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ኦሚክሮን ጅር እቲ ግዜ ንኽሓጽር ገርይዎ ኣሎ ማለት’ዩ።
እዚ ውሳኔ ዝመጸ ካብቲ ናይታ ሃገር ናይ ጥዕና በዓል መዚ (HAS) እዩ። እቲ በዓል መዚ ምስ ምክልኻል ኮቪድ-19 ዝተሓሓዙ ጉዳያት ኣመልኪቱ ንመንግስቲ ምኽሪ ዘቐብል ኮይኑ እዚ ጉዳይ ንሓደጋ ዝተቓልዑ መናእሰይ’ውን ዝምልከት ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ ፈረንሳ፡ ዕድመኦም ካብ 5 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ህጻናት ነቲ ክትባት ንኽወስዱ ሕጋዊ መስርሕ ዕላዊ ምግባራ ተፈሊጡ’ሎ።
‘HAS’ ብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኣብቶም ቀዳማይን ካልኣይን ኣዋርሕ እቶም ክትባታት ኣንጻር ልዝብ ዝበለ ኦሚክሮን ቫይረስ ልዕሊ 80% ውጽኢታዊ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ይኹን እምበር እዚ ውጽኢታዊነት ምስቶም ካልኦት ጅር ቫይረሳት ክወዳደር ከሎ ብቕልጡፍ እንዳነከየ ከምዝኸይድ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com