Saturday , May 18 2024
French President Emmanuel Macron (Pascal Rossignol/Pool via AP) PAR131

ፈረንሳ፥ ኣብ ልዕሊ ዘይተኸትቡ ዜጋታት ጸቕጢ ትገብር

ኣብ ልዕሊ ክታበት ኮቪድ-19 ዘይወሰዱ ሰባት ጸቕጢ ክግበር ምዃኑ ፕረሲደንት ፈረንሳ: ኢማኑኤል ማክሮን: ኣጠንቂቑ።

ክሳብ ደኺሞም ክታበት ምውሳድ ዝጅምሩ እዚ ጸቕጢ ክንቅጽሎ ኢና ክብል እቲ ፕረሲደንት ምስ ላ ፓሪዝየ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ’ሎ። ንሱ ነዚ ዝበለ ብዛዕባ ኮቪድ ዝወጸ ኣዋጅ: ብሰንኪ ተቓወምቲ መንግስቲ ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ: ናብ ትግባረ ከይኣቱ ድሕሪ ምጒታቱ እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ካብ ሓደ ፕረሲደንት ክወጽእ ዝግብኦ ቃላት ኣይኮነን ክብሉ ተቓወምቲ ሰልፊታት ነቲ ናይ ማክሮን ቃለ መሕትት  ዘሊፎሞ ኣለዉ።

መንግስቲ ማክሮን ዘውጽኦ ዘይተኸትቡ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ህይወቶም እገዳ ዝገብር ኣዋጅ ኮቪድ-19: ኣብ ባይቶ ብርቱዕ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ዝፍለጥ እዩ። ገሊኣቶም ኣባላት ባይቶ ናይ ሞት ምፍርራህ ከይተረፈ ከም ዘጋጠሞም ገሊጾም ኣለዉ። “ንሕና ዘይተኸትበ ክእሰር ኣለዎ ኣይኮንናን ንብል ዘሎና፥ እንተኾነ ግና ካብ 15 ጥሪ ኣትሒዞም ዘይተኸትቡ ሰባት ናብ ኣብያተ መግቢ ከይኣትዉ፥ ቡን ከይሰትዩን ቲያትራት ከይዕዘቡን ክንክልክል ኢና ” ኢሉ።

ፈረንሳ ኣብ ኣውሮጳ ዝለዓለ መጠን ክትባት ካብ ዘካየዳ ሃገራት ሓንቲ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com