Friday , May 17 2024

ፈረንሳ… ድሕሪ ክታበት ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ፡ ትምርምር

ኣብ ከተማ ፓሪስ፡ ፈረንሳ፡ ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ፡ ድሕሪ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ምስ ተወግኡ፡ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ሰባት፡ መርመራታት ከምዝጀመሩ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ፓሪስ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እቶም ሰለስተ ናይ ሞት ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ከተማታት ቱሉስ፡ ፓሪስን ናንትስን ዘጋጠሙ ኮይኖም፡ መባእታዊ መርመራታት፡ ብኣኽበርቲ ሕጊ ናይተን ምምሕዳራት ከምዝተጀመረ፡ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ክልተ ካብቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ግዳያት፡ 26 ን 38 ዓመት ዕድመ ዝነበሮም ኮይኖም ብሰንኪ ምርጋእ ናይ ደም ከምዝሞቱ  ተፈሊጡ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ከተማ ፓሪስ፡ ነቶም ሰለስተ ናይ ሞት ኣጋጣሚታት፡ ምስ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ከይህልዎም፡ መጽናዕትን መርመራታትን ከካይድ ምዃኑ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ከምዝፍለጥ፡ ሃገረ ፈረንሳ፡ ከም ኩለን ካልኦት ሃገራት፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ንዓበይቲ ጥራይ ክትከትብ ምውሳና ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com