Monday , May 20 2024
Credit: Pixabay

ፊነየር ኣብ 2022 475 ሚልዮን ዩሮ ከሲቡ።

መንገዲ ኣየር ፊንላንድ–ፊነየር–ኣብ 2022 ንመገሻ ኣየር ካብ ዝተገብረ ሕድገት ግብሪ ኣስታት 475 ሚልዮን ዩሮ መኽሰብ
ምርካቡ፥ ኣብ ብራስለስ ዝመደበሩ ትካል ትራንስፖርት ኤንድ ኢንቫይሮመንት ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣቃሊዑ። ትራንስፖርት ኤንድ
ኢንቫይሮመንት ኣብ ኤውሮጳ ዘላቒ መጓዓዝያ ዘተባብዕን ንመኽሰብ ዘይዓዪን ትካል እዩ። ቲ ኤንድ ኢ ዝሓላፈ ሓምለ፡ መንገዲ
ኣየራት ዝኸፍልዎ ግብሪ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ሕድገት ግብሪ እንተዘይህሉ ክኸፍልዎ ዝግበኦም መጠን ዘነጻጽር መጽናዕቲ
ኣሕቲሙ’ሎ።
ሕጊ ግብሪ ጸዓት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነዳዲ ንውልቃዊ ናይ ትርፊ ግዜ በረራታት እንተዘይውዒሉ፥ ካብ ግብሪ ነዳዲ ነጻ ዝገብር ኣገባብ
ኣለዎ። ብዘይካዚ መንገዲ ኣየራት፥ ክሳብ ፍርቂ ካብ ፈነወአን ናይ ዝሽፍን ኣበል ተጠቀምቲ ይኾና ኣለዋ። እዚ ማለት ድማ ​​ካብቲ
ዝፍንውኦ መጠን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ገለ ክፋል ጥራይ እየን ዝዓድያ ዘለዋ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኣህጉራዊ በረራታት ኣብ ትኬት
ዝኽፈል ተወሳኺ ሕሳብ ግብሪ ተሓዲጉለን ኣሎ። ኣብ ፊንላንድ፡ ናይ ውሽጢ ሃገር በረራታት ከም ካልኦት ኣገልግሎታት መጓዓዝያ፡
ብ10% ዝትሕት ተወሳኺ ሕሳብ ግብሪ ይኽፍላ። መንገዲ ኣየር ፊንላንድ–ፊነየር–ምስ ነዳዲን ፈነወን ካርቦን ዝተኣሳሰር
ዝግበረሉ ሕድገት ክሳብ 231 ሚልዮን ዩሮ፥ ካብ “ፕሪፈረንሻል ታክስ ትሪትመንት” ኸኣ 243 ሚልዮን ዩሮ ፡ ብድምር 474
ሚልዮን ዩሮ መኽሰብ ምርካቡ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። እታ ብብዝሒ ብመንግስቲ እትውነን ፊንላንዳዊት መንገዲ ኣየር፥ ካብተን
ኣብቲ ጸብጻብ ዝተመርመራ 25 መንገዲ ኣየራት መበል 19 ደረጃ ሒዛ’ላ።

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com