Sunday , May 19 2024

ፊንላንድ፥ ሰብመዚ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣኻልብ ዘሰጋግር ውድብ ምህላዉ ቃልዕ ጌሮም።

ሰብመዚ ኖርወይ ኣብ መንጎ ሩስያን ፊንላንድን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣኻልብ ዘሰጋግር ውድብ ምህላዉ ቃልዕ ጌሮም። ትምዩን
ሰነድ፡ “ማይክሮቺፕስ” ከምኡ’ውን መድሃኒታት ካብ ሩስያ ናብ ፊንላንድ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ክኣቱ ምጽንሑ፥ እዚ ብ ጉምሩኽን
ፖሊስን ፊንላንድ ቃልዕ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ጒዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ዓሎቕ-ግብርን ኣብ ዝብል ክሲ ክረአ እዩ
ተባሂሉ’ሎ። እቲ ስርሒት ዝጀመረ፥ ጒምሩኽ ፊንላንድ ን እንስሳ ዘቤት ተባሂሉ ዝወጸ ማይክሮቺፕን ኣስማት ዘይብሉን
ፓስፖርትታት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ድሕሪ ምውዓሎም እዩ። እቶም እንስሳታት ዘቤት ክትባት ከም ዝወሰዱ እቲ ፓስፖርት ዘርኢ እኳ
እንተኾነ፥ ኣየናይ እንስሳ ብፍሉይ እዚ ምውሳዱ ግና ኣየመልክትን። ኣብ እዋን ፈተሻ፥ ብርክት ዝበለ ምስ እንስሳ ዘቤት እተተሓሓዘ
ሰነዳትን፥ ማሕተምን ካልእ ትምዩን ሰነዳትን ንምስራሕ ዘድሊ መሳርሒታትን ኣብ ቊጽጽር ኣእትዮም ኣለዉ። ብዘይካዚ፥ ኣስታት
50 ዝኸውን ዝተፈላለየ ዓይነት መድሃኒትን ዝተረኽቡ ኮይኖም፡ ኣብቲ ፍተሻ ኣስታት 30 ኣኻልቦ ኣብቲ ቀጽሪ ተረኺቦም እዮም።
ገለ ካብኣቶም ኣብ ሩስያ ዝተወልዱ እዮም ተባሂሉ’ሎ።
ነዚ ወንጀል ፈጺምዎ ዝበሃል ጥርጡር ኣብ ፖያንማ ዝቕመጥ ኮይኑ፡ ካብ ዓመተ 2016 ክሳብ 2021 ክሳብ ሕጂ 180
ኣኽልብ ብዘይሕጋዊ ኣግባብ ኣሰጋጊሩ’ሎ–ብመሰረት “ሄልሲንኪ ታይምስ”።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com