Sunday , May 19 2024
(Roni Rekomaa/Lehtikuva via AP) LLT811

ፊንላንድ ንኣባልነት NATO ካብ ሽወደን ብዝፈጠነ ትግስግስ ኣላ ተባሂሉ።

ፊንላንድ ካብታ ብምዕራብ ወገን እትዳወባ ሽወደን ብዝቐልጠፈ ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ NATO ንምጽንባር ትግስግስ ኣላ ክብል ኣባል ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን ያን ሃለንበርግ ኣመልኪቱ።. ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማሪን ምስ ሽወደናዊት መዘናኣ ማግዳሌና ኣንደርሾን ብረቡዕ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝሃበቶ ጥሙር ጋዜጣዊ ዋዕላ ሃገራ ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት ኣባል ኔቶ ክትከውን ድያ ወይስ ኣይትኸውንን ክትውስን እያ ምባላ ዝዝከር እዩ።

"ባቡር ኔቶ ብፍጥነት ይግስግስ ኣሎ፥ እዛ ባቡር ንኽልቲአን ሃገራት እውን ትማልአን ዘላ ትመስል፡፡ ክሳብ ወርሓ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣባላት ኔቶ ክኾና ይኽእላ እየን" ክብል ሃለንበርግ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com