Sunday , May 19 2024

ፌስቡክ ኣብ ሽወደን ኣገልግሎት መራኸቢ ፍቑራት ይኸፍት

ፌስቡክ ኣብ ኣውሮፓን ሽወደንን ኣገልግሎት መራኸቢ ፍቑራት ምኽፋቱ ተገሊጹ። ዕድሜኦም 18 ን ልዕሊኡን ዝኾኑ ተጠቀምቲ ነዚ ኣገልግሎት ብምኽፋት ተጠቀምቲ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ፌስቡክ፡ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን እዚ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረን ኣብ 20 ዝኾና እዚ ኣገልግሎት ዝጥቀማ ሃገራት፡ 1.5 ቢልዮን ዝኸውን ርክባት ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ነዚ ኣመልኪታ ኣካያዲት ፍርያት ፌስቡክ፡ ኬት ኦርሲት፡ ካብ ምዝንጋዕ ሓሊፍና ናብ ቁምነገር ዘለዎ ኣርእስታት ንኽህሉ ንጽዕር ኣሎና ድሕሪ ምባል፡ ሰባት ንኽላለዩ ኢልና ዝኸፈትናዮ ኣገልግሎት እዩ፡ ኢላ።

እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት፡ ኣብ ባዕላዊ ምዝማድ ጽምድታት ከም ዘይዋፈርን ሰባት ባዕላቶም ኣብ ዝጥዕሞም ጒጅለ ብምኻድ ናይ ምልላይ ዕዮ ከሳልጡ ከም ዝኽእሉ ዘመልክተ እቲ ሓበሬታ ዕድመ ተጠቀምቲ ግድነት 18 ወይ ልዕሊኡ ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ኣስሚሩሉ።

ሰባት፡ ብፍላይ ሕጂ፡ ብቅልውላው ኮሮና ኣብ ቤቶም ኣብ ዝውዕልሉ ዝነበሩ እዋን እዚ ናይ ቪድዮ ዕላላት ከም ዝፈትዉዎ ንኣምን ኢና  ክትብል ድማ ኦርሲዝ ወሲኻ ትገልጽ።

ተጠቃሚ እንድሕር ምስ ሓደ ሰብ ሚስጥራዊ ፍቕሪ ኣለዎ ኮይኑ ከምኡ ጌሩ ክምዝገብን ናይቲ ሓደ ሰብ መልጎም እንድሕር ጠዊቑ ገጹ ክረአ ይኽእል እዩ። እዚ ኣገልግሎት ከምቲ ንቡር ምርኻብ ክሳብ ዝመስል ባህርያዊ ንኽኸውን ጽዒርና ኢና። ዛጊት ጽቡቕ ይዓዩ ኣሎ ክብል መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዛከርበርግ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ቃሉ ምሃቡ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com