Friday , May 17 2024
The famous cartoonist, Thomas Nash, lampooned Charles Darwin's theory, Nov. 12, 1959, that man perhaps descended from the ape with this cartoon in 1971. The caption read: (The defrauded gorilla:

ፍልቀት ዘመናዊ ሓንጎል ወዲሰብ: ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ እዩ ተባሂሉ

ዘይከምቲ ክንሓስቦ ዝጸናሕና፥ እዚ ሕጂ ዘሎ ዓብዪን ረቒቕን ሓንጎል ወዲሰብ ናይ ቀረባ እዋን ውጽኢት ፍልቀት እዩ ክብል ብሓሙስ ዝወጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ምናልባት ቅድሚ 1.5 ሚልዮን ዓመታት ኣብ ዝነበረ እዋን ብፍልቀት ዝማዕበለ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ተገሊጹ።

ቀዳሞት ዓሌት ወዲሰብ ካብ ህበይ መሰል ፍጥረት ቅድሚ 2.5 ሚልዮን ዓመታት ብፍልቀት ከም ዝማዕበሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ሽዑ ዝንበሮም መጠን ሓንጎል ካብ ናይ ህበይ ብዙሕ ዘይፍለ፥ ዳርጋ ፍርቂ ናይዚ ሕጂ እንውንኖ መጠን እዩ ኔሩ ይብል እቲ መጽናዕቲ።

ተመራመርቲ ፍልቀት ወዲሰብ እዚ ሓንጎልና መዓስን ብኸመይ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ መጠንን ምትሕልላኽን ከም ዝማዕበለ ክመራመሩ ካብ ዝጅምሩ ልዕሊ ሓደ ዘመን ኣሕሊፎም ኣለዉ። ብመሰረት እቲ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባ ፍልቀት ሓንጎል ወዲሰብ ካብቶም ህበይ መሰል ፍጥረት እዩ ዝጅምር እኳ ዝብል እንተነበረ በዚ ሕጂ ዘሎና ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ግና እዚ ፍልቀት ናይ ቀረባ እዋን እዩ። ሓንጎል ወዲሰብ ተዓቂቡ ክጸንሕ ስለዘይክእል ኣብ ሓንጎል ብዝተርፉ ምልክታት ኢና ነዚ መጽናዕቲ ኣካዪድናዮ–ክብሉ ተመራመርቲ ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com