Friday , May 17 2024

ፍርቂ ብዝሒ ተቐማጦ ሽወደን፡ ከም ዝተኸትቡ ተገሊጹ

ኣብ ሸወደን፡ መስርሕ ክታበት ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ክሳብ ትማሊ ረቡዕ፡ 5,297,353 ሰባት እንተወሓደ፡ ሓንቲ እብረ፡ ክታበት ጸረ ኮቪድ ከም እተኸትቡ፡ ጸብጻባት ምምሕዳራት ሽወደን ምርኩስ ብምግባር፡ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ክታበት ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

3,765,891 ሰባት፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ክኽተቡ እንከለዉ እዚ ማለት ድማ፡ 46% ካብ ልዕሊ ዕድመ ተቐማጦ ሽወደን ማለት እዩ። እቶም ዝተረፉ 1,531,462 ሰባት፡ ማለት 18.7% ካብ ልዕሊ ዕድመ ተቐማጦ ሽወደን ድማ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዩም ክብል እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ንግዳያት ሞትን መልከፍትን ሕማም ኮቪድ ብዝምልከት፡ ብሰንኪ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ፡ መስርሕ ምስርሳር  ዳታ ቤዝ፡ ክሳብ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ዝኾነ ዓይነት ጸብጻብ ክቐርብ ከምዘይከኣለን ሎሚ ሓሙስ ግን እቲ ጸብጻብ ክቐርብ ትጽቢት ከምዘሎ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ኣፍሊጡ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com