Saturday , May 18 2024

ፐርሾንበቪስ..ወረቐት መንነት

ፐርሾንበቪስ፡ ማለት ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ (Personbevis)

ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ፡ ማለት ፐርሹን በቪስ፡ (personbevis)፡ ብዓል መዚ ግብሪ፡ ብዛዕባኹም መዝጊቡዎ ዝርከብ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ንኣብነት፡ ስም፡ ኣድራሻን ኩነተ መርዓን ዝብል ዝሓዘ ሰነድ እዩ። እዚ ሰነድ’ዚ ንኣብነት ፍቓድ መዘወሪ ማኪና ከተውጽኡ እንከለኹም የድልየኩም። ፐርሹንበቪስ፡ ማለት ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ ግን፡ ከም ታሴራ ወይ መረጋገጺ መንነት ከገልግል ከምዘይክእል ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ።

ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ፡ ማለት ፐርሹን በቪስ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ስካተቨርከት ወይ ከኣ፡ ናብ ሓደ ካብ ኣብያተ ጽሕፈት ስካተቨርከት ብምኻድ ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ። ፐርሹን በቪስ ንምውጻእ ቀሊል እዩ።

ወረቐት መንነት (Identitetskort)

ኣይዲ ካርድ፡ ኣሕጽሮተ ቓል ናይ identitetskort ወይ ወረቐት መንነት እዩ። ኣይዲ ካርዲ፡ ዕድመኹም ክንደይ ምዃኑን መንነትኩም ንምንጻርን የገልግል። ንኣብነት፡ መድሃኒት ካብ ፋርማሲ ከተምጽኡ እንከለኹም፡ ወይ’ውን ናይ ባንኪ ጒዳያት ከተሳልጡ እንከለኹም፡ ኣይዲ ካርዲ ከተርእዩ ክትሕተቱ ኢኹም። ኣይዲ ካርዲ ንምውጻእ400 ክሩነር ክትከፍሉ ኣለኩም። እይዲ ካርዲ፡ ካብታ ዝወጽኣትላ ዕለት ን 5 ዓመታት ተገልግል። ንዝያዳ ኣፍልጦ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ስካተቨርከት ኣንብቡ።

ኣይዲ ካርዲ ምእንቲ ክውሃበኩም፡ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ሽወደን ዝተመዝገብኩምን ብዕድመ ኸኣ 13 ዓመት ዝመላእኩምን ክትኮኑ ኣለኩም። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኹም ምስ እትኾኑ’ሞ፡ ኣይዲ ካርዲ ክውሃበኩም ምስ ዝድለ፡ ፍቓድ ወይ ኣፍልጦ ሓላፍነትኩም ዝወሰዱ ወለዲ ወይ ወላዲ (vårdnadshavare) ወይ ከኣ ናትኩም ተሓታቲ የድሊ። ‘ሓላፍነት ትሕቲ ዕድመ ዝውንን ወላዲ’ ክብሃል እንከሎ፡ እቲ ንትሕቲ ዕድመ፡ ማለት ትሕቲ 18ዓመት ዝኾነ ውላዱ፡ ሕጋዊ ሓላፍነት ዝውንን ወላዲ ማለትና እዩ።

መንነትኩም ንምርግጋጽ፡ ቅቡል ዝኾነ ወረቐት መንነት ወይ ከኣ መን ምዃንኩም ዝምስክረልኩም ሰብ ክህሉ ኣለዎ። መንነትኩም፡ ብሰብኣይኪ ወይ ሰበይትኻ፡ ምዝጉብ መጻምዲ፡ ወላዲ/ሕጋዊ ሓላፍነት ዘሎዎ፡ ሓው/ሓፍቲ ወይ ብጹሕ ውላድ ጌርኩም ከተረጋግጹ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ገለ ገለ እዋናት ኣስራሒኹም ወይ ጽቡቕ ገይሩ ዝፈልጠኩም ሰራሕተኛ መንግስቲ’ውን መን ምዃንኩም ክምስክር ይኽኣል እዩ።

እቲ ብብዓል መዚ ግብሪ ዝዳሎ ወረቐት መንነት፡ ኣብ ሽወደን ተቐባልነት ዘሎዎ ሰነድ መንነት እዩ። ናብ ካልእ ሃገር ክትገሹ እንከለኹም፡ ነዚ ብብዓል መዚ ኣታዊ ግብሪ ዝውሃበኩም ወረቐት መንነት፡ ኣብ ክንዲ ፓስፖርት ክትጥቀሙሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ወረቐት መንነትኩም ምስ እተጥፍኡ ናብ 020-323262 ደዊልኩም ካብ ስራሕ ወጻኢ ከም ዝኸውን ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ብኸምዚ ኸኣ፡ ዝኾነ ሰብ ነቲ ወረቐት መንነት ክጥቀመሉ ኣይክእልን። ወረቐት መንነትኩም ምስዝስረቕ ናብ ፖሊስ ክትሕብሩ ኣለኩም።

ምንጪ: informationsverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com