Saturday , May 18 2024
The Swedish passports and identity cards will be re-appearance from 1 January 2022. Foto: Henrik Montgomery/TT Kod: 10060

ፓስፖርትን መንነትን ሓድሽ መልክዕ ሒዞም ክቀርቡ እዮም

ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2022 ጀሚሩ፡ ናይ ሽወደን ካርድ መንነትን ፓስፖርትን፡ ሓድሽ መልክዕ ሒዞም ክቀርቡ ምዃኖም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ናይ ሽወደን ካርድ መንነትን ፖስፖርትን ዝለዓለ ብቕዓት፡ ውሕስነትን ዓለምለኻዊ መለክዕታት ዘማለአ ንኽኸውን ተባሂሉ ዝተገብረ ምዃኑ ተሓቢሩ።

በዚ መሰረት፡ ናይ ሽወደን ካርድ መንነትን ፓስፖርትን፡ ኣብ ዓለም ናይ ፈለማ ተባሂሉ ዝንገረሉ ብ “ኣንሳፋፊ ስእሊ (floating image)” ዝፍለጥ ኣገባብ ዝተሰርሐ ክኸውን እዩ ዝበለ መርበብ ሓበሬታ ፖሊስ ሽወደን፡ እዚ ሓድሽ ኣገባብ፡ ተምየንቲ (መደናገርቲ) ንኽሰርሕዎ ዘሽግር ክኸውን እዩ፡ ኢሉ። እቲ ስእሊ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ክትርእዮ እንከለኻ፡ ዘንሳፍፍ ስእሊ ኮይኑ እዩ ዝረኣየካ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ፓስፖርት ብኦልትራቫይለት ብርሃን ጥራይ ዝረአ ስእሊ ዝሓዘ ክኸውን እዩ። ፌርማ ድማ ኣብ ቀዳማይ ገበር ናይቲ ፖስፖርት ከምዝኸውን ኮይኑ፡ እታ ቺፕ ድማ ተመሓይሻ ቀሪባ ኣላ።

ቁጽሪ ናይ ሽወደን ካርድ መንነትን ፓስፖርትን ድማ፡ ካብቲ ዝነበሮ ብዝሒ፡ ማለት፡ 8 ኣሃዛት ናብ 9 ኣሃዛት ከምዝውስኽ ተገይሩ ኣሎ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብዚ ፓስፖርት፡ ምስሊ ናይ ኣጻምእን ምሹእን ኣእዋም ሽወደን ክህልዎ እዩ። ከምኡ ድማ፡ ንናጽነት ጉዕዞ ወናኒ ናይቲ ፓስፖርት ንምግላጽ፡ ምስሊ ናይ ኣዕዋፍ ውን ዝሓዘ ክኸውን እዩ።

ሓድሽ ፓስፖርትን ካርድ መንነትን ዝደለየ ሰብ ድማ፡ ድሕሪ መጨረሽታ ናይዚ ዓመት፡ ከመልክት ከም ዝኽእልን እቲ ዘሎ ፓስፖርት ድማ ክሳብ ናይ ኣገልግሎት ዕለቱ ዝውድእ፡ ኣብ ስራሕ ክውዕል እዩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com