Friday , May 17 2024
FILE - In this July 11, 2020, file photo, President John Magufuli speaks at the national congress of his ruling Chama cha Mapinduzi (CCM) party in Dodoma, Tanzania. Magufuli openly expressed doubt about COVID-19 vaccines and accused people who were vaccinated outside the East African nation of bringing new infections into the country. (AP Photo/File) NAI102

ፕረሲደንት ታንዛንያ: ሃገሩ ሽግራት ኮቪድ-19 ከም ዘለዋ ይእመን

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ታንዛንያ ዘሎ ኲነታት ለበዳ ኮሮና ኣሻቓሊ እዩ ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ ፕረሲደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ ብዛዕባቲ ጒዳይ ርእይቶ ሂቡ’ሎ።

ንሱ ንኣዋርሕ ን ሽግር ኮሮና ከዋድቕን ብጸሎት ተሳዒሩ እዩ ዝብል ኣገራሚ መልሲታትን ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ዜጋታት እታ ሃገር ነቲ ሕማም ንምክልኻል ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐታት ክገብሩ ጻውዒት ጌሩ’ሎ።

ንሱ ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት ስነስርዓት ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ዝፈረየ ማስክ ብምግዛእ ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐ ክገብሩ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ፕረሲደንት ማጉፉሊ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጹ መድሃኒታት ክታበት ይዂኑ ካልኦት ናውቲ ብጥርጣረ ከም ዝርእዮም ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ድሕሪዚ መግለጺ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ዜጋታት ማስክ ክወድዩን ኣእዳዎም ብሳሙናን ማይን ክሓጽቡ ለበዋ ምምሕልላፉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኲነታት ለበዳ ኮሮና ታንዛንያ ኣብ ኣሻቓሊ ኲነታት ከም ዘሎ ብምምልካት መራሒ እታ ሃገር ትርር ዝበለ ስጒምቲ ክወስድ ተደጋጋሚ ጻውዒታት ከቕርብ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ብዘይካዚ ካብ ታንዛንያ ንመገሻ ዝወጹ ዜጋታት እቲ ሕማም ከም ዘለዎም ምስ ተነግሮም ንመንግስቶም ዘድሊ ስጒምቲታት ጥዕና ክወስድ ጻውዒት ክገብሩ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኣመሪካን ካቶሊክ ቤተክርስትያንን እውን ብተመሳሳሊ ሻቕላአን ገሊጸን እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com