Saturday , May 18 2024
Joshua Roberts/TT

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣዕናዊ ዝተባህለ ወፍሪ ጠቐነ ከምዝጀመረ ሲኤን ኤን ሓቢራ።

ሓድሽ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ስርሑ ክጅምር ሰላሳ መዓልታት ተሪፈናኦ ኣብ ዘለዋሉ እዋን ትራምፕ ኣዕናዊ ዝተባህለ ወፍሪ የካይድ ምህላዉ ሲኤንኤን ሓቢራ። እዚ ናይ ጠቐነ ወፍሪ ትራምፕ ብ ተበለጽቲ ባእታታት ይድግፍ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ካብ ዋይት ሃውስ ክወጽእ ካብ 30 ዘይበዝሓ መዓልታት ዝተረፎ ትራምፕ ናይ ምርጫ ማሽናት ክእግድ፥ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ምትእትታው ክገብር ወይ ወተሃደራዊ ሕጊ ከተኣታቱን ዝብሉ ተራ ዝተባህሉ ክልሰ ሓሳባት ኣብ ምውጻእን ምውራድን ግዜኡ የሕልፎ ኣሎ ኢሉ።

በቶም ዝገበረ እንተገበረ ዝድግፍዎ ሒደት ጥራይ ተኸቢቡ ዝተረፈ ትራምፕ ከም ንጉስ ሊር ፖለቲካዊ መርዚን ሓሶትን ክፍብርኽን ክፍክርን እዩ ዝውዕል ዘሎ ብምባል ድማ ወሲኹ ሓቢሩ። ብሰኑይ እዚ ውጽኢት ምርጫ ብዓሎቕ ተኸሲሱ ደጊሙ ክምርመር ኣለዎ ምስ ዝብሉ ገለ ባእታታት ሰልፊ ሪፓብሊካን ከም እተራእየን ድማ ተገሊጹ። ትራምፕ ንኣመሪካ ክልተ ጒድኣታት ከውርደላ ይኽእል እዩ። እቲ ቀዳማይ ጎነጻዊ ውጥን ብምውጻእ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ኣውን ክመርሕ ንዝኣተዎ መብጽዓ ሸለል ብምባል እዩ ክብሉ ተንተንቲ ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com