Sunday , May 19 2024
Credit: Jonas Ekströmer/TT

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ን ሽወደን በጺሑ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ንፈለማ እዋን ናብ ሽወደን ብምብጻሕ ምስ ቀዳማይ
ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ኣብ መንበሪ ዓዱ ሃርፕሱንድ ተራኺቡ። ኣብቲ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ መጻኢ ዝምድና
ክልቲአን ሃገራት ሰፊሕ ዘተ ኣካዪዶም። ቀዳማይ ሚኒስተር ክሪስተርሾን ንዩክሬን ክወሃብ ብዛዕባ ዝወጠኖ ናይ 6 ቢልዮን ክሮና
ፓኬጅ ሓገዝ፥ ከምኡ’ውን ኣብ መሬት ዩክሬይን ክትፈሪ ብዛዕባ ወጢንዋ ዘሎ ሽወደናዊት መኪና ውግእ CV90 ኣመልኪቱ ምስ
ዘለንስኪ ተዘራሪቡ’ሎ። እንተኾነ ግን ብዛዕባ ነፋሪት ኲናት Saab JAS 39 Gripen Fighter ዝኾነ ቃል ኣይኣተወን።
"እዚ ብኸፊል ናይ ምስጋናን ኣፍልጦን ምብጻሕ እዩ ነይሩ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ስነ-
ፍልጠት ሽል ኤንገልብሬክት። ሽወደን ንኣመሪካ ጀርመንን ሆላንድን ስዒባ ን ዩክሬይን ዝበዝሐ ወተሃደራዊን ሰብኣዊን ሓገዛት
እተበርክት ሃገር ምስ ምዃና፡ ዘለንስኪ ናይ ሕጂ ምብጽሑ ብቐንዱ ነዚ ኣፍልጦን ምስጋናን ንምሃብ ምዃኑ ኤንገልብሬክት
ወሲኹ ኣመልኪቱ።

 

Credit: Jonas Ekströmer/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com