Saturday , May 18 2024

ፖሊስ፡ ነቲ ብኣሃዱ ጥዕና ዝቐረበ እማመ ከምዝቃወሞ ገሊጹ

ፖሊስ ሽወደን፡ ንገደብ ብዝሒ ተሳተፍቲ ምትእኽኻብ ናብ 500 ክብ ንምባል ብኣሃዱ ጥዕና ዝቐረበ እማመ ከምዝቋወም ሓቢሩ ክብል TT ገሊጹ።

ንተግባራውነት ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ንምክትታል ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘይብሉ፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ እማመ፡ ነተን ሙዚቃዊ ምርኢታት ዘካይዳ ቤት ምግብታት ፍቓድ ዝህብ ኮይኑ ኣብ ሓደ እዋን ድማ ናይ ምርሕሓቕ መምርሒታት ከተግብሩ ክግደዱ እዮም።

ንውሱን ናይ ምትእኽኻብ ኣጋጣሚታት ዝኸውን ሕጊ ምውጻእ፡ ንኣሰራርሓ ኣሸጋሪ ምዃኑ፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ። እቲ እማመ፡ ንኻልእ ምትእኽኻብ ገዲፍካ ንከም በዓል ሙዚቃዊ ምርኢታት፡ ሳዕስዒትን ትያትርን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ጥራይ እቲ ዝነበረ ገደብ ብዝሒ ተሳተፍቲ ንኽውስኽ ዝጠልብ ብምዃኑ ህዝቢ ንኽትርደኦ ከጸግሞ እዩ ክብል፡ ፖሊስ፡ ገሊጹ።

እዚ እማመ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ውዒሉ፡ ንትግባረን ምክትታልን ናይቲ ምትእኽኻብ ዝኸውን ዓቕሚ ከምዘይህልዎ፡ ፖሊስ፡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ህዝቢ፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘለዎ እምነት ክጎድል ከምዝኽእል፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com