Saturday , May 18 2024

ፖሊስ፡ ኣብ ሮዘንጎድ ሓደ ኮተቴ ብኸቢድ ተሃሪሙ ጸኒሑ

ኣብ ሮዘንጎርድ፡ ማልሞ፡ ብቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘጋጠመ ናይ ዓመጽ ፍጻሜ ሓደ ወዲ 16 ዓመት ኮተቴ ግዳይ ከምዝኾነን ክሳብ ሕጂ ምስቲ ፍጻሜ ብዝተሓሓዝ ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ከምዘየለ ተፈሊጡ። እቲ ፍጻሜ፡ ኸቢድ ናይ ዓመጽ ፍጻሜ፡ ተባሂሉ ተመደቡ ኣሎ።

ፖሊስ ማልሞ ናብ ከባቢ ሮዘንጎርድ ኣብ ዝበጻሓሉ እዋን እቲ ወዲ 16 ዓመት ኮተቴ ብኸቢድ ተሃሪሙ ወዲቑ ጸኒሕዎም።

እቲ ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል (ICU) ከምዝርከብን እንተተኻኢሉ ሎሚ መዓልቲ ቃሉ ክንወስድ ክንፍትን ኢና ክትብል ዋሃቢት ቃል ፖሊስ ዝኾነት ኪም ሂልድ ሓቢራ።

እቲ ፍጻሜ ኣብ ናይ መካይን መዐሸግ ጋራጅ (Parking Garage) ተኻይዱ ክኸውን ከምዝኽእል ይጥርጠር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com