Saturday , May 18 2024

ፖሊስ፡ ጻዕዳ ናይ መመላለሲት መኪና ኣብ ምድላይ ምውፋሮም ተገሊጹ።

ሰንበት ምሸት ኣብ ናይ ቶኽሲ መጥቃዕቲ ከም እተዋፈረት ትጥርጠር ጻዕዳ ዝሕብራ  መመላለሲት መኪና ብፖሊስ ትድለ ምህላዋ ናይ ከባቢ ቡትሽርካ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ፡ ፓለ ኒልሰን፡ ንኣገልግሎት ዜና SVT ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ዋላኳ ዛጊት ብዙሓት ሰባት ንሕቶ እንተቐረቡ፡ ፖሊስ፡ ብጉዳይ እታ ዝተቐትለት ጓል 12 ዓመት ኰተቴ ዝተሓሓዝ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተዎ ሰብ የለን። እዚ ቅትለት ናብ ሰንበት ዘውግሕ፡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ስቶክሆልም ቡትሺርካ፡ ኖሽቤሪ፡ እዩ ተፈጺሙ። 

እዛ ኰተቴ፡ ቀንዲ ዕላማ እዚ ቅትለት ከምዘይነበረትን፡ ኣብ መንጎ ክልተ ኣብ ንግዲ ዕጸ ፋርስ ዝነጥፋ ጉጅለታት ዝተገብረ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ፡ ግዳይ ከምዝኾነት ተፈሊጡ ኣሎ። ነቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ መርመራ ክዘሩ ዝኽእል ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህብ ከም ዘይደልን እቶም ፈጸምቲ ናይዚ ገበን ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ቦታ ተኹሲ ምኽፋቶም ብዛዕባ ህይወት ወዲሰብ ተገዳስነት ዘይብሎም ምዃኖም ዘርኢ ስእሊ እዩ ክብል ኒልሰን ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com