Monday , May 20 2024
Credit: Stefan Jerrevång/TT

ፖሊስ ስርሖም ውሑስ ዝገብር ውጥን ትግባረ ኣውጺኦም።

ፖሊስ ኣብ እዋን ጎነጻዊ ናዕቢ፡ ስርሖም ውሑስ ክኸውን ዝገብር 50 ምድላዋት ዘጠቓልል ውጥን ትግባረ ይፍጽሙ’ለዉ። ኣብ
ሽወደን ኣብ ዝተፈላልያ ናእሽቱን ዓበይቲን ከተማታትን ብዝተኻየደ ናዕቢ፥ ኣስታት 300 ፖሊስ ኣካላዊ መጒዳእቲ ከም
ዝወረዶም፡ ገለ ክብዚኣቶም ከኣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክንክን ይግበረሎም ምህላዉ፥ “ማሕበር ፖሊስ” ይገልጽ። ብፍላይ ድማ ሕሉፍ
የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን፥ መጽሓፍ ቊርኣን ከቃጽል ምዃኑ ድሕሪ ምፍርራሁ፡ ን ፖሊስ ጒድኣት ዘውረደ ህዝባዊ ናዕቢ
ከም እተኻየደ ሬድዮ ሽወደን ዘኪራ።
ፖሊስ ነዚ ዕግርግር ደው ኣብ ምባል ብምፍሻሎም ነቐፌታ ክዘንቦም ጸኒሑሎ። ድሕሪዚ እተገብረ መርመራ ከም ዘመልክቶ፥
ፖሊስ ጎነጻዊ ናዕቢ ንምክልኻል ዘኽእል እኲል ሞያዊ ስልጠናን፥ ብረት ዝሕንገጣ ድሩዓት መካይን ከም ዝጎድሎምን ተረጋጊጹ
እዩ። በዚ ድማ ድሩዓት መካይን ነተን ኣርባዕተ ዞባታት ክወሃባ ምዃነን ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን፡ እዚ ቅድሚ እቲ ናዕቢ ምልዓሉ
ተወሲኑ ዝጸንሐ ምዃኑ፥ ን ሓላፊ ክፍሊ ሃገራዊ ስርሒታት ብዊልኸ ባርያት ብምጥቃስ ወሲኻ ኣመልኪታ።
ፖሊስ ዞባታት፥ ነዞም ልዕሊ 50 ዝኾኑ ምድላዋት ኣብ ምትግባር ከም ዝርክቡ ባርያት ኣብሪሃ’ላ። ቊራዕ ርእስን ጓንቲን ካብ
ምምርማር ኣትሒዝካ፡ ክሳብ ምጥንኻር ስለያዊ ሓበሬታ ብዕቱብ ይስርሓሎም ኣሎ።
እንተኾነ ግና እዞም ነገራት ብኸምቲ ዝድለ ፍጥነት ይኸዱ የለዉን ክብል፥ ኣብ ሃገራዊ ጥዕናን ድሕነትን ወኪል ፖሊስ ፓትሪክ
ዳኒኤልሰን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
እዚ ለውጢታት ግዜ ዝወስድ እዩ ፡ ስለዚ ድማ ገምጋም ሓደጋን ምድላው ሓድሽ ሰነድን ከድሊ እዩ ክብል፥ ቦኤል ሾበርግ ካብ ክፍሊ
ስርሒታት ፖሊስ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com