Friday , May 17 2024

ፖሊስ ስቶክሆልም ኣብ ኤምባሲ እስራኤል ዝተረኽበ ሓደገኛ ባእታ ኣዕንዮም

ጉጅለ ሃንደሳ ፖሊስ ሽወደን ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ብሰራሕተኛታት ዝተረኽበ ”ሓደገኛ ባእታ” ከም ዝፍንጀር ጌሩ። እቲ ባእታ ካብ ህንጻ ኤምባሲ ወጻኢ፡ ግና ኣብ ውሽጢ ቀጽሩ እዩ ተረኺቡ። ፖሊስ እቲ ኣቕሓ ተፈንጂሩ ጒድኣት ከስዕብ ዝኽእል ምንባሩ፡ ሕጂ ግን ባዕሎም ከም ዘዕንውዎ ገሊጾም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን ምስ ሃንጋርያዊ መዘናኡ ቪክቶር ኦርባን ጽባሕ ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ። ክልቲኦም መራሕቲ ሃገራት ኣብ ርእሰ ከተማ ቤልጅየም ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ክሳተፉ እዮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶልተንበሪ ንሽወደን ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሽወደን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ምሉእ ኣባል ኪዳን ምክልኻል ክትከውን እያ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com