Friday , May 17 2024

ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ ኣሜሪካ ሰለማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ዝነበሩ ሰባት ፋሕ ኣቢልዎም

ፖሊስ ስቶክሆሎም ነቲ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣንጻር ዓሌትነት ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ፋሕ ኣቢልዎ።

ኣብ እዋን ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 50 ሰብ ክተኣኻኸብ እጉድ ስለ ዝኾነን እቲ ዝነበረ ምትእኽኻብ ድማ ልዕሊ’ቲ ፍቑድ ቁጽሪ ሰባት ስለዝነበረ ፋሕ ከነብሎ ተገዲድና ይብል ዋሃብ ቃል ፖሊስ።

ብሰንኪ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተፈጸመ ቅትለንት ናይ ጸሊም ኣሜሪካዊ ዝኾነ፡ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ደገፎም ንምርኣይ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ማልሞን ዮተቦሪን “ BLACK LIVES MATTER” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሰለማዊ ሰልፍታት ከምተኻየዱ ይዝከር።  

ገለ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝተኻየዱ ሰለማዊ ሰልፍታት ናዕብን ዕግርግርን ከምዝተሓወሶም ይዝከር።  

ሎሚ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ጎደናታት ዳግ ሃምርሾልድ ኣንጻር ዓሌትነትን ግፍዕታት ፖሊስ ኣሜሪካን ዝምልክቱ ታቤላታት ሒዞም  ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ሰባት ተኣኪቦም ከምዝወዓሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ንቅልውላው ለበዳ ኮሮና ምኽንያት ብምግባር ነቲ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ፍቓድ ስለዘይሃበ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3:45 ድ.ቐ. ነቲ ምትእኽኻብ ፋሕ ንኸብሎ ከምዝወሰነ ሓቢሩ።

ኣብ መጀመርታ ነቶም ተሳተፍቲ ናይቲ ሰለማዊ ሰልፊ ፋሕ ንኽብሉ ሓቢርናዮም ኔርና። እንተኾነ ንጻዊዒትና ክሰምዑ ስለዘይከኣሉ ባዕልና ፋሕ ከነብሎም ተገዲድና ክብል ወሃብ ቃል ፖሊስ ሓቢሩ።

ፖሊስ ስቶክሆሎም ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘየእተወ ሓቢሩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com